ተጨውያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝዓለበት ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ክትምለስ’ያ

ተጨውያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝዓለበት ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ክትምለስ’ያ

Radio Erena: February 10, 2014

Beachcraft

ብ12 ሕዳር 2013 ተጨውያ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝዓለበት ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ንምምላስ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብረርትን ቴክኒሻናታን ናብታ ሃገር ከምዝልኣኸ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ዝተላእኩ ኣብረርትን ቴክኒሻናትን፣ ነታ ንኣስታት 3 ወርሒ ኣብ ጂዛን ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ዓብደላ ተታሒዛ መርመራን ምጽራይን ክካየደላ ዝጸንሐት ነፋሪት ሒዞም ኣብዚ ሰሙን እዚ ናብ ኣስመራ ክምለሱ ትጽቢት ኣሎ።

 

እንተኾነ ብህድማ ምኩራት ኣብረርትን ቴኪኒሻናትን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ዝርከብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ካብዞም ነታ ነፋሪት ንምምላስ ዝተላእኩ ቴክኒሻናትን ኣብረትርን’ውን ከይሃድሙ ኣብ ሻቕሎት ከምዝርከብ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ 12 ሕዳር፣ ሓደ ሜጀርን ሓደ ካፕተይንን ዝምርሑዋ ኣብ ምቅራጽን ምስናድን ካርታ እትነጥፍ፣ ነፋሪት ምስ ሓደ ኣባል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ክፍሊ ካርቶግራፊ ብሃንደበት ኣብ ጂዛን ከምዝዓለበት ኣይርሳዕን።

ኣብ ጥቕምቲ 2012’ውን ክልተ ካፕቴታናት ዝመርሑዋ ነፋሪት ሓያሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቶ፣ እታ ነፋሪት ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ግዜ ንኽትምለስ ካብ ዝተላእኩ ኣበርትን ቴክኒሻናትን ሓንቲ ጓለነስተይቲ ኣብራሪት ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተረፈት ይዝከር።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0