ተቓወምቲ ውድባት ደቡብ ሱዳን፣ ንፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ ካብ ስልጣኑ ክዓልዉዎ ልፍንቲ መስሪቶም

south sudanሓያሎ ተቓወምቲ ውድባት ደቡብ ሱዳን፣ ነቲ ውልቀ መላኺ ዝበልዎ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ ካብ ስልጣኑ ክዓልዉዎ ሓድሽ ልፍንቲ መስሪቶም ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

ዕጡቕን ሰላማውን ተቓሞታት ከካዪዱ ዝጸንሑ እዞም ዝተፈላለዩ ውድባት፣ ኣብ ትሕቲ ‘‘ናብ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ሰውራ’’ ዝብል ጭሮሖ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ድሕሪ ዘካየዱዎ ኣኼባ ኣብ ዘውጽዎ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣንጸላልዩ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ዝፈጠሮ ጸቢብ ብሄራዊ ኣተሓሳስባ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ እቲ ሓደጋ ክውገድ እንተኾይኑ፣ ዘለዎም ዓቕምታት ኣወሃሂዶም ንሳልቫ ኪር ምዕላው ጥራይ ምዃኑ እቲ ፍታሕ ይገልጹ።

 

ሓያሎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝነበሩ ዝተረኽቡሉ ኣብቲ ናይ ናይሮቢ ዋዕላ፣ ሚኒስተር ሕርሻ ነበር ላም ኣኮል፣ ሚኒስተር ትምህርቲ ነበር ፒተር ኣድዎክ እውን ተረኺቦም ምንባሮም፣ ካብታ ከተማ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ዝህሉ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ለውጥታት ዘተ ድሕሪ ምክያድ ነጥብታት መርሓ ሕንጻጽ ዝሓቖፈ ደኩመንት ቀሪቡ።

እቲ ልፍንቲ ብተወሳኺ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ሃገሩ ዳግማይ ሓራ ንምግባር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ክጽምበሮ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0