ተቓወምቲ ሑቲ፣ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ሒዞሞም ንዝጸንሑ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ለቒቖም

ተቓወምቲ ሑቲ፣ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ሒዞሞም ንዝጸንሑ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ለቒቖም

Radio Erena: 17 March 2015

yemen Cab

ተቓወምቲ ሑቲ ናይ የመን፣ ንከተማ ሰንዓ ድሕሪ ምቑጻሮም ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ሒዞሞም ንዝጸንሑ ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣባላት ካቢነኡን ትማሊ ከምዝለቐቕዎም ኣሶሸትድ ፕረስ ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

እቶም ተቓወምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ መስከረም ንከተማ ሰንዓ ድሕሪ ምቑጽጻሮም፣ ምስ መንግስቲ ብልፍንቲ ንምስራሕ ተሰማሚዖም እኳ እንተነበሩ፣ ድሕሪ ብዝተራእየ ዘይምርድዳእ ግና ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት እዚ ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲን ብምሉኦም ሚኒስተራቱን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝሓዝዎም ዝዝከር’ዩ።

 

ኣቐዲሙ ካብቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝወጸ ፕረዚደንት ሓዲ ናብ ከተማ ዓደን ድሕሪ ምኻዱ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ’ዩ ክዝረበሉ ጸኒሑ።

ሃገራት ወሽመት፣ ኣብ ርያድ ዘተ የመን ንምክያድ ጻዕርታት ኣብ ዝገብራሉ ዘለዋ እዋን ድማ፣ ተቓወምቲ ሑቲ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ንብምሉኦም ኣባላታ ካቢነ ሚኒስተራት ከምዝለቀቕዎም ኣፍሊጦም።

ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኣቐዲሙ ካብ ናይ ገዛ ማሕዩር ብምህዳም፣ ኣብ ዓደን ምስ ዝርከብ ፕረዚደንት እታ ሃገር ከምዝተጸንበረ ተገሊጹ’ዩ።

እዞም ካብ ናይ ገዛ ማሕዩር ተለቒቖም ዘለው ቀዳማይ ሚኒስተር ዝርከቦም ኣባላት ካቢነ መንግስቲ የመን’ውን ናብ ዓደን ብምግዓዝ፣ ምስ ሕጋዊ ፕረዚደንት እታ ሃገር ብምዃን ኣብታ ከተማ መንግስቲ ከየቑሙ ተሰጊኡ ኣሎ።

ኣብ ዓደን ሓድሽ መንግስቲ እንተ ቆይሙ፣ የመን ኣብ መንጎ ናይ ሰንዓን ዓደንን ሓይልታት ኣብ ክልተ ክትግማዕ ከምእትኽእል ተንተንቲ እቲ ዞባ የጠንቕቑ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0