ብጉዳይ ክልተ ካብ ሚእቲ፣ ኣብ ልዕሊ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተመስረተ ክሲ ተነጺጉ

ብጉዳይ ክልተ ካብ ሚእቲ፣ ኣብ ልዕሊ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተመስረተ ክሲ ተነጺጉ

Radio Erena: 26 November 2015

Emba swiss

ኣብ ልዕሊ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ዝተመስረተሉ“ ዘይሕጋዊ ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ የኽፍል ኣሎ፣” ዝብል ክሲ፣ ብኣኽባር ሕጊ ስዊዘርላንድ ተነጺጉ።

ኣኽባር ሕጊ ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ጄኔቫ ዝመደበሩ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ዝቐረበ ክሲ ዝነጸገሉ ምክንያት፣ ኤርትራውያን ነበርቲ ስዊዘርላንድ ንኤምባሲ ዝከፍልዎ ገንዘብ ዘይሕጋዊ ምዃኑ እኹል መርትዕ ስለዘይቀረበ’ዩ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ቆንስል ኤምባሲ ኤርትራ፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ጣዕሳ ፎርም ክመልኡን ክልተ ካብ ሚእቲ ካብ ኣታዊታቶም ከኣ ክኸፍሉን የገድድ ኣሎ ዝብል ክሲ ድሕሪ ምቕራቡ፣ ፈደራላዊ ፖሊስ እታ ሃገር ንኣዋርሕ ከጻርዩ’ዩ ጸኒሑ።

 

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ ናብ ኣኽባር ሕጊ ስዊዘርላንድ ከምዝቐረበ ኣፈኛ’ቲ ኣኽባር ሕጊ ካቲ ማረት ምጥቃሳ ኣይርሳዕን።

እቲ ኣብልዕሊ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ዝቀረበ ክሲ፣ ምጽራይ ይግበረሎ ከምዘሎ ዝሓበረት እታ ኣፈኛ፣ ንሕጊ ስዊዘርላንድ ዝጻረር እንተኾይኑ፣ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርብ ኣፍሊጣ ኔራ’ያ።

እንተኾነ ትማሊ ሮቡዕ 25 ሕዳር ካብ ስዊዘርላንድ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፣ ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ነቲ ጉዳይ ክምርምሮ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ነቲ ክሲ ውዱቕ ጌርዎ ኣሎ።

ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝስራዕ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

ካናዳን ብሪጣንያን ነዚ ብኤምባሲታት ኤርትራ ዝግበር ምኻፋል ክልተ ካብ ሚእቲ ብዕቱብ ክሕዝኦ እንከለዋ፣ ሽወደንን ስዊዘርላንድን ከኣ ኣሰረን ክስዕባ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ሓያል ጻዕርታት ከካይዱ’ዮም ጸኒሖም።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ ኤርትራውያን ናብ ኤምባሲታት ዝከፍልዎ ክልተ ካብ ሚእቲ መብዛሕቶም ብድሌቶም እኳ እንተኾኑ፣ ካብቲ ኤምባሲ ናይ ዜግነት ኣገልግሎታት ክረኽቡ ዝደልዩ ኤርትራውያን’ውን መሰሎም ክነሱ ክልተ ካብ ሚኣቲ ክኸፍሉ ይግደዱ’ዮም።

================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0