ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ነወርይ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዑ

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ነወርይ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዑ

Radio Erena: 11 January 2016

Er  Nor

ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ነርወይ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዑ።

ክፍሊ ስደተኛታት እታ ሃገር ብዘውጽኦ ጸብጻብ መሰረት፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ዓመተ 2015፣ 31, 145 ስደተኛታት ዑቕባ ክሓቱ እንከለዉ፣ ብዝሒ ሶርያውያን ብ10, 536 ቀዳማይ ደረጃ ይሕዝ።

ኣብ ካልኣይ ኣፍጋኒስታን ብ6,987፣ ሳልሳይ ዒራቕ ብ2,991 ራብዓይ ኤርትራ ብ 2,947 ሓሙሻይ ከኣ ኢራን ብ1,342 ተሰሪዑ ይርከብ።

 

ነርወይ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዝሒ ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ስደተኛታት ናብ ኣስታት 60 ሽሕ ክብ ክብል ከምዝኽእል’ያ ትገልጽ ዘላ።

መንግስቲ እታ ሃገር ነዚ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ንምግታእ’ውን ንሕግታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ዳግም ብምምሕያሽ፣ ዑቕባ ናይ ዝወሃቦም ሰባት መስርሕ ከጽብብ’ዩ ዝህቅን።

ሽወደን’ውን ነዚ ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምቁጽጻር ምስ ደንማርክ ኣብ ዘዋስና ከባቢ፣ መንነት ወረቐት ዝሕተተሉ ነቑጣ ምቛማ ዝፍለጥ’ዩ።

ሃገራት ኤውሮጳ ብሓፈሻ ሃገራት ስካንዲናቭያን ከኣ ብፍላይ፣ ብዝሒ ስደተኛታት እናሻቀለን ስለዝመጸ፣ ዶባተን ብምዕጻው፣ ኣብ ኢጣልያን ግሪኽን ናይ ዝተኣኻኻአቡ ስደተኛታት መንነት ብምጽራይ ዑቕባ ክህባ ከምዝደልያ’የን ዘመልክታ።

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ሶራያውያን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከምዝስራዕ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብ ከም በዓል ነርወይ ዝኣመሰላ ሃገራት ግና እቲ ብዝሒ ናብ ራብዓይ ደረጃ’ዩ ወሪዱ።

ኤርትራ ምስ ብዝሒ ህዝባ ብምጽራር ምስተን ብብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ዝርከባ ሃገራት ክትወዳደር ምኽኣላ፣ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ሕሱም ኩነታት ዘንጸባርቕ ምዃኑ’ዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ዝገልጹ።

ይኹን’ምበር ዳርጋ ብምልኦም ዜጋታት ኢትዮጵያ’ውን ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ስለዝሓቱ፣ ንብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣጋኒንዎ ከምዝርከብ ይፍለጥ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0