ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝዘተየ ሰሚናር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተኻይዱ

ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝዘተየ ሰሚናር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተኻይዱ

Radio Erena: 03 November, 2014

EMDHR

ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝዘተየ ሰሚናር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተኻይዱ።

ዕላማ’ቲ ኤርትራዊ ምንቕስቓስ ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን – EMDHRን ፕሪቶርያ ዩኒቨርሲቲ ማእከል ሰብኣዊ መሰላትን ተወዲቡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ፣ ብ29 ጥቕምቲ ዝተኻየደ ሰሚናር፣ ንህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ግብረ መልሲ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ንምግምጋም’ዩ።

ኣብቲ ሰሚናር፣ ሓያሎ ፈጸምቲ ኣካላት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዲፕሎማሰኛታትን፣ ካብ ሓያሎ ሃገራት ዝመጹ ዕዱማትን ከምዝተሳተፉ’ውን መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ጠቒሱ።

 

እቲ ሰሚናር ዳይረክተር ማእከል ሰብኣዊ መሰላት- ካብ ፕሪቶርያ ዩኒቨርሲቲ፣ ፕሮፈሰር ፍራንስ ቪልጆዌን ብዘስምዖ መደረ ድሕሪ ምኽፋቱ፣ ኤርትራዊ ዝመበቖሉ ሽወደናዊ ኣቶ ሙሴ ኤፍሬም፣ ንሓፈሻዊ ድሕረ ባይታ ኤርትራ ብምግላጽ፣ ዘላቶ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብሪሁ።

ካብ ፕሪቶርያ ዩኒቨርሲቲ፣ ማእከል ሰብኣዊ መሰላት ዶክተር ማርቲን ኒስብርዋ ብወገኑ፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ምግሃስ መሰል ሃይማኖት፣ መሰል ብናጻ ሓሳብካ ምግልጻ፣ መሰል ብናጻ ምንቕስቓስ፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና…ወዘተ ዝኣመሰሉ ምግሃስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ግኑን ምዃኑ ብምዝኽኻር፣ ውጽኢት ናይዚ ከኣ፣ ስደትን ኣብ ጉዕዞ ስደትን ንኤርትራውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ሓደጋታትን ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ መዛዘምቲ እቲ ሰሚናር፣ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ምንቕስቓስ ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን – EMDHR ኣቶ ኩሉብርሃን ኣብርሃም፣ ተሳተፍቲ ናይቲ ሰሚናርን ሃገራቶምን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍትሓሉ ኣማራጺታት ኣብ ምንዳይ ክተሓባበሩ ተማሒጽኑ።

ከም ስደትን ሳዕቤናቱን ዝኣመሰለ ኩነታት ኣብ ክንዲ ምትኳር ከኣ፣ ኣብቲ ኣውራ ጠንቒ ስደት ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ብምድሃብ ነባሪ ፍታሕ ንምንዳይ ክጸዓረሉ’ውን ተላብዩ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0