ብዘይንጹር ምኽንያት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ ተኸፊቱ

ብዘይንጹር ምኽንያት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ ተኸፊቱ

Radio Erena: 15 January 2018

Adi Keyh

ብዘይንጹር ምኽንያት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተኸፍተ ተሓቢሩ።

ንልዕሊ 10 ዓመታት ከገልግል ዝጸንሐ ኮሌጅ ንግድን ስነ ቁጠባን ሓልሓል ድማ ጠቕሊሉ ክዕጾ እንከሎ፣ ተማህሮ እቲ ኮሌጅ ናብ ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ ክግዕዙ ተሓቢርዎም ኣሎ።

ምስ ምምዛዝ ሓድሽ ዳይረክተር ላዕለዋይ ደረጃ ትካላት ትምህርትን ምርምርን ኤርትራ ብርጋዴር ጀነራል ዶክተር ሃይለ ምሕጹን፣ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኮሌጃት ዓዲ ቀይሕን ሓልሓልን፣ ጠንቂ መዕጸዊኡ፣ ብንጹር ክግለጽ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ትሕተ ቅርጻዊ ምትዕርራይ ንምግባር ዝብል ምኽንያት’ዩ ተዋሂብዎ።

ሕጂ’ውን ኮሌጅ ሓልሓል ጠቕሊሉ ዝተዓጸወሉ ምኽንያት ብመንግስቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ይኹን’ምበር መራብሒ ናይ ጸባ ከብቲ ክኸውን ከምዝተዓጽወ’ዩ ኣቐዲሙ ክዝረበሉ ጸኒሑ’ዩ።

ብድምር ኣስታት ክልተ ሽሕ ተማሃሮ ዝነበርወን እዘን ክልተ ኮሌጃት ንሓያሎ ኣዋርሕ ተዓጽየን ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ሓደ ኮሌጅ ናይ ዓዲ ቀይሕ ተጠርኒፈን ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝጀመራ ይሕበር እኳ እንተሎ፣ ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ’ውን ብሰንኪ ዘይብቁዕ ምሕደራን ዋሕዲ ሞያውያን መማህራንን ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ክትህብ ከምዘይትኽእል’ዮም ተማሃሮኣ ዝገልጹ።

ትሕተ ቅርጻዊ ምትዕርራይ ንምግባር፣ ኣስታት ክልተ ሽሕ ተማሃሮ ዝሓቖፋ ኮሌጃት ንሓደ ናይ ትምህርቲ ወቕቲ ዝኣከል ክቕጸዋ ዘይንቡር እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ወትሃደራዊ ምሕደራ ዝእለ ስርዓተ ትምህርቲ ግና ግና ከምዚ ዓይነት ስጉምታት ከም ንቡር’ዩ ዝውሰድ።

ብወትሃደራዊ መምርሒ ዝመሓደራ ኮሌጃት ኤርትራ፣ ብዝሒ ደኣ’ምበር ብቕዓት ዘለዎም ተማሃሮ የፍርያ ከምዘለዋ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ኣብያተ ትምህቲ ብምትኳር ዝተኻየደ ገምጋም ምርግጋጹ ይዝከር።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0