ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኬንያ ኣትዮም ዝተባህሉ 109 ኤርትራውያን ተኸሲሶም

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኬንያ ኣትዮም ዝተባህሉ 109 ኤርትራውያን ተኸሲሶም

Radio Erena: 17 October 2018

Kenya Eritreans

መንግስቲ ኬንያ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ንዝበሎም 109 ኤርትራውያን ኣብ ፍርዲ ከምዘቕረበ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቶም ኤርትራውያን፣ ብሰኑይ 15 ጥቅምቲ፣ ኣብ ኢስዮሎ ኣብ ዝርከብ ፍርዲ ኣብ ዝቐረብሉ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ዝመጹ ምዃኖም ስለዝጠቐሱ፣ ጉዳዮም ብኮሚሽን ስደተኛታት እታ ሃገር ክርአ እቲ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

እቶም ካብ ኢትዮጵያ ከምዝተበገሱ ዝግመት፣ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝጠቐሱ ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብዎም ሰባት፣ ናብ ከተማ ናይሮቢ እናምርሑ’ዮም ብ12 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ኢስዮሎ ብፒሊስ ተታሒዞም።

ኢስዮሎ፣ ካብ ከተማ ናይሮቢ 285 ኪሎሜትር ንሰሜን ርሒቓ ትርከብ።

ጉዳዮም ኣብ 29 ጥቅምቲ ውሳኔ ክወሃቦ ምዃኑ ዝሓበረ ኣገልግሎት ዜና ኬንያ፣ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ድማ ኣብ መደበር ፖሊስ ክተሓዙ’ዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ሓያሎ ኤርትራውያን፣ ዶባት እናሰገሩ ናብ ኬንያ ይእቱ ከምዘለዉ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0