ብኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ብምሉኦም ከምዝተለቁ ሚ/ጉ/ ወጻኢ ቀጠር ገሊጹ

Radio Erena: 27 September 2016

Qatar PM

ብኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ብምሉኦም ከምዝተለቁ ስቴት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ቀጠር ሱልጣን ቢን ሻዓድ ኣል ሙረኺ ገሊጹ።
 
ቀጠር፣ ንዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ጅቡትን ንምፍትሑ ብዝገበረቶ ጻዕሪ፣ እቲ ጉዳይ ብሰለማዊ መንገዲ ንኽዓርፍን፣ ብኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኩሎም ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ድማ ንኽልቀቑን ከምዝሓገዘ እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ።
 
ንሱ፣ ኣብ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዖ መደረ፣ ሃገራት እስላም፣ ብዘይዝኾነ ኣፈላላይ ሃገራዊ ዕርቂ ንኽህልወን፣ ቀጠር  እትገብሮ ዘላ ኣበርክቶ ብምጥቃስ፣ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ከኣ’ዩ ንጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን ኣቕሪብዎ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ጅቡቲ፣ ብኤርትራ ዝተታሕዙ ገና ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ምሩዃት ኵናት ከምዘለውዎ’ዩ ናብ ቀጠርን ኣህጉራዊ ምሕበረ ሰብን ጥርዓን ዘቕርብ ዘሎ።

ብዘይካ’ዚው’ውን እቲ ቀጠር ብሰለማዊ መንገዲ ተፈቲሑ እትብሎ ዘላ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን፣ ኣብ ምንታይ ውሳኔ ወይ ብይን ከምዝበጽሐ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ኣብ መንግስታት ኤርትራን ጅቡትን’ውን ዝኾነ ዝተመሓየሸ ዝምድናታት ከምዘየለ ይፍለጥ።

ቀጠር ነቲ ጉዳይ ንምሽምጋል ተበግሶ ካብ ዝወሰደትሉ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዳግም ግጭት ከይውላዕ ተዓዛቢ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከምዘዋፈረት እኳ እንተረጋገጸት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንህላዊኡ ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበትን።
 
==========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0