ብቻይና ዝተበገሰ ዋዕላ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ካብ 20 – 22 ሰነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 06 June 2022

ብመንግስቲ ቻይና ዝተወደበን ዝተመወለን ዋዕላ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ካብ 20 ክሳብ 22 ሰነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ’ዩ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት፣ ኣብቲ ዞባዊ ዋዕላ ንኽሳተፋ፣ መንግስቲ ቻይና ወግዓዊ ዕድመ ከምዘቕረበለን ተፈሊጡ።

ይኹን’ምበር፣ ኩሉን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብቲ ብቻይና ዝተማእከለ ዋዕላ ክሳፋ ብዛዕባ ምዃነን ኣየረጋገጻን።

ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያ፣ ብጉዳይ ዶብን ኣጠቓቕማ ናይልን ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ሱዳን፣ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዋዕላ ምስታፋ ኣጠራጣሪ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ይእምቱ።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ሱዳን፣ ማ ዚኒሚን ምስ ምክትል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ ኣምባሳደር ናዲር ዮሱፍ ኣልጣይብ፣ ብ4 ሰነ ኣብ ዝገብሮ ርክብ፣ ሱዳን ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፍ ከምዝተማሕጸነ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ዕላማኡ፣- ሰላም፣ ጸጥታን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምሕያል ‘ዩ ዝበለ ኣምባሳደር ቻይና፣ ሱዳን እንተተሳቲፋ፣ ንዓወት እቲ ዋዕላ ዘውሕስ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ንሱ ንኣገልግሎት ዜና ሱዳን – ሱና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብቲ ዋዕላ፣ ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳተፋ ዕድመ ከምዝቐረበለን ብምርግጋጽ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን’ውን ከምዝርከቡ ጠቒሱ።

ኣምባሳደር ናዲር ዮሱፍ ብወገኑ፣ ቻይና ነቲ ተበግሶ ምውሳዳ መንግስቲ ሱዳን ብመትከል ከምዝድግፎ እኳ እንተረጋገጸ፣ ብዛዕባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስታፉ ግና ንጹር መልሲ ኣይሃበሉን።

ቻይና፣ ንመጀመርያ እዋና ዝመዘዘቶ ፍሉይ ልእኽ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ዢ ቢንግ፣ ኣብ ወርሓት መጋቢትን ሚያዝያን 2022፣ ናብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጂቡቲ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልን ኬንያን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን’ዩ፣ ዋዕላ ሰላም እቲ ዞባ ክካየድ ተበግሶ ዝወሰደ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0