ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝቖመት መርማሪት ጉጅለ፤ ናብ ኢትዮጵያ ክትኣቱ መንግስቲ’ታ ሃገር ኣፍቂዱ

Radio Erena: 04 July 2022

ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝቖመት መርማሪት ጉጅለ፤ ናብ ኢትዮጵያ ክትኣቱ ብመንግስቲ’ታ ሃገር ከምዝተፈቕደላ፤ ካብ ጀኔቫ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እታ መርማሪት ጉጅለ፤ ኣብ ዝሓለፈ ራብዕቲ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፤ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተወለዐ ግጭት፤ ብኩሎም ወገናት ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ከምዝተፈጸመ ገሊጻ።

እታ ሰለስተ ዝኣባላታ መርማሪት ጉጅለ፤ ኣብ ኢትዮጵያ፤ ኣህጉራዊ መሰል ደቂሰብን፤ መሰል ስደተኛታትን፤ ክሳብ ሕጂ ብሰፊሑ ይጠሓስ ከምዘሎ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ኣፍሊጣ።

ናብ ኢትዮጵያ ምእታው መንግስቲ’ታ ሃገር ምፍቃዱ ብዝምልከት ሓለቓ ናይታ ጉጅለ ካሪ ቤቲ ሙሩንጊ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፤ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ዘይኮነ፤ ናብ መላእ እታ ሃገር ብናጽነት ክትንቀሳቐስ ክፍቀደላ ጸዊዓ።

ንሳ ኣብ ቃላ፤’መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ናብ ኣዲስ ኣበበ ጥራይ ክንኣቱ እዩ ፈቒዱልና፤ እንተኾነ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበናት፤ ኣብ መላእ እታ ሃገር ስለዝኾነ፤ ብናጽነት መርመራና ከነካዪድ ክፍቀደልና ኣለዎ’ ክትብል ኣተሓሳሲባ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እዩ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ንክጻረይ፤ ፍልይቲ መርማሪት ጉጅለ መዚዙ።

እታ ጉጅለ ዛጊት ኣኪባቶ ዘላ ጭብጥታት ኣብ ዞባታት ትግራይ፤ ኦሮሞ፤ ኣምሓራን ዓፈርን፤ ንምእማኑ ዘጸግም ግፍዕታት ከምዝተፈጸመ፤ ቁጽሪ ምዉታት ንምፍላጡ ኣጸጋሚ ኣብ ዝኾነሉ ኩነታት ምህላዉ ጥራይ ንርእሱ፤ እታ ሃገር ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘላ ዘርእይ ምዃኑ ኣብሪሃ።

ኣብ መወዳእታ እታ ጉጅለ፤ መንግስቲ’ታ ሃገር፤ ጽልእን ዓሌታዊ ምትፍናን ዘለዓዕል ናይ ጽልኢ መደረታት ደው ከብል፤ ገበነኛታት ከኣ ብእዋኑ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ከቕርብ፤ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ጸዊዓ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0