ብቕዓት ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ 52 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መበል 50 ተሰሪዑ

ብቕዓት ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ 52 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መበል 50 ተሰሪዑ

Radio Erena: 07 October, 2014

Mo Ibrahim

ብኣህጉራዊ ትካል ኢብራሂም ሞ ዓመታዊ ኣብ ዝዝርጋሕ ጸብጻብ ብቕዓት ምሕደራ መንግስታት ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ኣብዚ ናይ 2014 52 ሃገራት ኣብቲ ዝርዝር ክቐርባ እንከለዋ፣ ዝተሓተ ደረጃ ሒዘን ዘለዋ ቀዳመይቲ ሶማልያ፣ ካልኣይቲ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ሳልሰይቲ ድማ ኤርትራ’የን።

ኣብ ኣተን ዝሓሸ ምሕደራ መንግስቲ ዘለወን ሰለስተ ሃገራት ሞሪሽየስ፣ ቦትስዋናን ኬፕ ቬርደን ኮይነን፣ አዘን ሃገራት ነዚ ኽብሪ’ዚ ንተኸታታሊ ሓሙሽተ ዓመታት ሒዘንኦ ይርከባ።

 

ደረጃ ምሕደራ መንግስቲ ኣፍሪቃ፣ ብመሰረቲ’ቲ መንግስታት ዘለዎም ሓለፍነታን ተሓታትነትን፣ ዜጋታት ዘለዎም ክብሪ፣ ናብራ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝያከድ ጻዕሪ፣ ናይ ዝምድንታት ፖሊስን ካልእን ኣብ ምግት ብምእታውን መጽናዕቲ ብምክያድን ዝዳሎ’ዩ።

እዚ ንምሕደራ መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝከታተል ኣህጉራዊ ትካል፣ ብሃብታም ሱዳናዊ ኢብራሂም ሞ ዝተበገሰ ኮይኑ፣ ኣፍሪቃ ካብ ምልኪን ዕብለላ ስልጣን ውልቀሰባትን ንምንጋፍ ዝዓለመ፣ ስልጣኖም ብገዛእ ፍቓዶም ንዝለቀቑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ 10ታት ሚልዮናት ሞቝሽሽ ከምዝሰለዐ’ውን ይፍለጥ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0