ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸ መግብታት ኣብ ኤርትራ ጠንቂ ሕማማት ይኸውን ምህላዉ ተሓቢሩ

ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸ መግብታት ኣብ ኤርትራ ጠንቂ ሕማማት ይኸውን ምህላዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 04 September 2017

Street Market Eritrea

ኣብ ኤርትራ ፈቐድኡ ተዘርጊሑ ዘሎ ብቕዓቱን ጥዕናኡን ዘይተረጋገጸ መግብታትን ሃለኽቲ ነገራትን ጠንቂ ዝተፈላለየ ሕማማት ይኸውን ምህላዉ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዑደት ዘካየድ ዘሎ በዓል ሞያ ሕክምና ንሬድዮ ኤረና ኣመልኪቱ።

እቲ ስሙ ክንዕቅበሉ ዝሓተተ፣ በዓል ሞያ ሕክምና፣ ከም ጸባ፣ ማርማላታ፣ ጽሙቛን ብሽኮትታትን ዝኣመሰሉ መግብታት ብፍላይ ኣብ ቆልዑ ከም ኣለርጂን ካልእን ዝኣመሰለ ርኡይ ጥዕናዊ ጸገማት ይፈጥር ምህላዉ ሓቢሩ።

ኣብ ፈቐዶ ጎደናታትን ዱኳናትን ተዘርጊሖም ዝርከቡ ከም ዘይቲ፣ ጠስም ጸባን ዝኣመሰለ ህዝቢ ኣብ መዓልታዊ መግብታት ዝጥቐመሎም ሃለኽትን መግብታትን፣ ቅድሚ ሕጂ ዝውቱራት ንዘይነበሩ ሕማማትን ውሽጣዊ ረኽስታትን ኣቃሊዕዎ ምህላዉ’ውን ጠቒሶም።

እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ተደጋጋሚ እዋንን ዝተዘርበሉ እኳ እንተኾነ፣ ብዘይካቲ ሳሕቲ ብክፍሊ ምምሕዳር ዝካየድ ነቲ ፈቐዱ ኣብ ዕዳጋ ተዘርጊሑ ዝሽየጥ ዕለቱ ዝወደቐን ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ መግብታትን ካብ ምህጋር ሓሊፉ ካልእ ዝተወስደ ስጉምቲ ከምዘየለ’ውን እቲ በዓል ሞያ ሕክምና ኣገንዚቡ።

ሕሰም መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ዝልዓለ ጥርዙ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብኮንትሮባንዳ ዝኣተወ ሃለኽቲ ነገራትን ፈቐዱ ይሽየጥ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0