ብቅትለት ሽወደናዊት ኣደን ወዳን ዝተጠርጠሩ ኤርትራውያን ንዝቕመጥሉ ዝነበሩ ግዝያዊ መንበሪ ስደተኛታት ሰብ ከይነብሮ ተወሲኑ

ብቅትለት ሽወደናዊት ኣደን ወዳን ዝተጠርጠሩ ኤርትራውያን ንዝቕመጥሉ ዝነበሩ ግዝያዊ መንበሪ ስደተኛታት ሰብ ከይነብሮ ተወሲኑ

Radio Erena: 17 August 2015

Ikea eri

ፖሊስ ሽወደን፣ ብቅትለት ሓንቲ ኣደን ወዳን ዝተጠርጠሩ ኤርትራውያን ሓታቲ ዑቕባ ንዝቕመጥሉ ዝነበረ ግዝያዊ መንበሪ ስደተኛታት፣ ሰብ ከይነብሮ ወሲኑ።

ፖሊስ እታ ሃገር ኣብቲ ግዝያዊ መንበሪ ስደተኛታት ንዝነበሩ 83 ሰባት ክወጹ ዝገበረሉ ምኽንያት፣ ኣብቲ ህንጻ ክልተ ሳናጡ ዝመልአ ተባራዒ ፈሳሲ ድሕሪ ምርካቡ’ዩ።

ድሕሪ’ቲ ብቅትለት ሓንቲ ኣደን ወዳን ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ምእታዎም፣ ኣንጻር ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም ሽወደናውያን ኣብ ከባቢ እቲ ህንጻ ተቓውሞ ንምክያድ ከምዝፈተኑ ተገሊጹ’ዩ።

 

ይኹን’ምበር እዚ ተረኺቡ ዘሎ ተባራዒ ፈሳሲ ምስዚ ተቓውሞ ምትሕሓዝ ብዛዕባ ምህላዉ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ድሕነት ነበርቲ እቲ ግዝያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ንምውሓስ ግና እቲ ህንጻ ንግዜኡ ሰብ ከይነብሮ ከምዝተወሰነ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና የረድእ።

መንግስትሪ ሽወደን እቶም ብቕትለት ሓንቲ ሽወደናዊትን ወዳን ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ገበነኛታት ኮይኖም እንተተረኺቦም ናብ ዓዶም ከምዘይጥረዙ ኣቐዲሙ ጠቒሱ’ዩ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0