ብስም ሚሊሻ ዓጢቖም ዝጸንሑ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦምን ካልኦት ዜጋታትን፣ ጠበናጅኦም ከረከቡ’ዮም

ብስም ሚሊሻ ዓጢቖም ዝጸንሑ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦምን ካልኦት ዜጋታትን፣ ጠበናጅኦም ከረከቡ’ዮም

Radio Erena: 11 October 2018

ekurserawitብስም ህዝባዊ ሚሊሻ፣ ካብ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ንላዕሊን ካልኦት ዜጋታትን ዓጢቖሞ ዝጸንሑ ብረት ከረክቡ ምዃኖም መግለጺታት ይሃቦም ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ገለ ምምሕዳራት፣ ጠበነጅኦም ንሎሚ ሓሙስ 11 ጥቅምቲ ከረክቡ ተነጊርዎም ምህላዉ’ውን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ይጠቕሱ።

እዞም ብስም ሚሊሻ ንልዕሊ 6 ዓመታት ብረት ዝዓጠቑ ወለድን ሰራሕተኛታት ትካላትን፣ ብረቶም ከውርዱ እኳ ተኣዚዞም እንተለዉ፣ ተመዲቦምሉ ዝጸንሑ መሳርዕ ኣሃዱታት ግና ክቕጽል ምዃኑ’ዩ ተነጊርዎም ዘሎ።

ካብ 2012 ኣትሒዙ፣ ብዘይካ’ቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ወለዲ፣ ኣብ ምምሕዳራት፣ ሚኒስትሪታትን ካልኦት ሲቪላውያን ትካላትን ዝጸንሑ ዜጋታት፣ ብስም ህዝባዊ ምልሻ ብረት ዓጢቖም ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሓያሎ ኣሃዱታት ሰራዊት፣ ካብ ባጽዕ ክሳብ ዶባት ኢትዮጵያ ዝርርጋሕ ጽርግያታት ኣብ ምጽጋን ይዋፈራ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ተታሒዙ ዝርከብ ሰራዊት፣ ምስዚ ናይ ኢትዮጵያ ሕድሽ ኩነታት ብዝተሓሓዝ፣ ክንጣየስ ኢና ዝብል ተስፋታት እኳ እንተጸንሖ፣ ብመንግስቲ ዝተዋሀ መግለጺ የለን።

ኣባላት ሰራዊት፣ ብዛዕባ’ዚ ህሉው ኩነታት ክዘራረቡን ክካትዑን ብምጅማሮም፣ ናብ ዝተፈላለየ ናይ ማእቶት መደባት ክዋፈሩ ከምዝጀመሩ ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0