ብሰንኪ ናይ ዓረብ መበቆሉ፣ ብሓይልታት ጸጥታ ግፍዕታት ከምዝበጽሖ ዝተገልጸ እስራኤላዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ኣብ ኤርትራ ኣምባሳደር ኮይኑ ተመዲቡ

Radio Erena: 06 July 2020

ዝሓለፈ ወርሒ፣ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ከተማ ኢዮርሳሌም ብዙሕ ግፍዕታት ከምዘውረድሉ ዝተገልጸ፣ እስራኤላዊ ዲፕሎማሰኛ፣ እስማዒል ኻልዲ፣ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ከምዝተመዘዘ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ካብ ዓሌት በዳዊን ናይ ዓረብ ዝኾነ እስራኤላዊ፣ ኣብ ዮርሳሌም ኣብ ዝርከብ ማእከል ምውፋር ኣውቶቡስ፣ ብሞባይሉ እናተሳእለ እንከሎ፣ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል፣ ኢዱ ጠውዮም፣ ብኽሳዱ ሓኒቖም ኣብ መሬታ ከምዝሰጥሕዎ’ዩ ተገሊጹ።

ኣብ መሬት ድሕሪ ምውዳቑ’ውን ክሳዱ ረጊጾም ክሳብ ትንፋስ ዝሓጽሮ ከምዝገበርዎ ኣብ ማእዕከናት ዜና እታ ሃገር ተቓሊሑ።

ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል፣ ነቲ በዳዊን ዝመበቖሉ ዲፕሎማሰኛ፣ ወረቐት መንነት ክርኢ ሓቲቶም ስለዝኣበየ፣ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ሓደ ካብኣቶም ጠቒሱ።

እንተኾነ፣ እስማዒል ነቲ ዝተጠቕሰ ሓበሬታ ነጺግዎ። እቲ ጉዳይ’ውን ብሕጋዊ መንገዲ ይጻረ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ነቲ ፍጻሜ “ዘሕፍር” ክብል ድሕሪ ምግላጹ፣ ንዲፕሎማሰኛኡ ይቕሬታ ሓቲቱ’ዩ።

ኣቐዲሙ፣ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ብደረጃ ምክትል ቆንስልን ካልእ ዲፕሎማስያዊ ጽፍሕታትን ዘገልገለ፣ ወዲ 49 ዓመት፣ እስማዒል ኻልዲ፣ ካብ ዓሌት በዳዊን፣ ኣምባሳደር እስራኤል ክኽውን ዝበቐዐ ናይ መጀመርያ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ መጅመርያ ናይ ኣምባሳደር ጽፍሑ ድማ ናብ ኤርትራ ተመዲቡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0