ብሪጣንያ፣ ብዝሒ ርእሰ ቅትለት ናይ ዝፍጽሙ ዘለዉ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመን መንእሰያትን  ይውስኽ

ብሪጣንያ፣ ብዝሒ ርእሰ ቅትለት ናይ ዝፍጽሙ ዘለዉ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመን መንእሰያትን ይውስኽ

Radio Erena: 21 June 2018

alxኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕደም ቆልዑን መንእሰያትን ተደጋጋሚ ርእሰ ቅትለተ ይፍጽሙ ምህላዎም ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

እቲ ማዕከን ዜና ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ሰለስተ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመን መንእሰያትን ርእሰ ቅትለት ፈጺሞም።

እቶም ፊልሞን የማነን ኣሌክሳንደር ተኽለን ዝተባህሉ ክልተ ኤርትራውያን ኣብዚ ቀረባ እዋን 18 ዓመት ዕድመ ዝመልኡ ኮይኖም እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ሳልሳዮም ከኣ ወዲ 19 ዓመት’ዩ።

እዞም ኣብ ክሊ 15 ዓመት ዕድሚኦም ብዘይኣላዩ፣ ሰሃራን ባሕርን እናሰገሩ ብመንገዲ ካሌ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ርእሰ ቅትለት ዝፍጽምሉ ዘለው ኣውራ ምኽንያት፣ ዝተሓላለኸን ነዊሕ ግዜን ዝወስድ መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ተስፋ የቑርጾም ብምህላዉ’ዩ ዝጥቀስ።

ኣብ ሽወደን’ውን ተመሳሳሊ ፍጻሜታት ክርአ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ድማ ትሕቲ ዕድመን መንሰያትን ኣብ ኤውሮጳ፣ ግዳያት ደረቱ ዝሓለፎ ወልፍን ኣልኮላዊ መስተን ክኾኑን ርእሰ ቅትለት ክፍጽሙን ዝደፋፍኦም ዘሎ ምኽንያት፣ ትጽቢቶምን ዝገጥሞም ዘሎ ክውንነትን ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ ብምዃኑ’ዩ ክብሉ’ዮም ክኢላታት ስነ ኣእምሮ ዘረድኡ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0