ብሩኽ ወደይ…

ብሩኽ ወደይ…

Radio Erena: 10 September 2015

Mother

        ሩኽ ወደይ…

     ዝሰደድካለይ ደብዳቤን ስእልን በጺሑኒ። ከም ወዮ ዝበልካዮ ማዳኻ ሃሲሱ ምርኣየይ ባህ ኢሉኒ’ዩ ዝወደይ። ሱዳን ካብ ዝነበርካሉ ግዜ ዝሰደድካዩ ኣሳእል ኣዚኻ ተቐይርካ። ናፊቐ ክመጽእ’የ ትብል ከምዘሎኻ’ውን ነዛ ደብዳቤን ስእልን ዘብጽሐ ልኡኽ ኣፍሊጡኒ ኣሎ። ቅድሜኻ ‘ስጠሓኒ ውሉደይ። ትናፍቕ እወ ሓቕኻ። ወደያ ‘ስመሮም ‘ኳ ኣደይ ናፊቐ ኢሉ ካብ ኣገልግሎት መጺኡ’ዩ ቀንዩ። ኣዱኡ ኣደይ ቀደስ ጥዕና ኣይረኸባን። “ጥዕና ኣደይ ሓዲኡ ከየፍለጠ ኣይምለስን’የ” ስለዝበለ እንሆልካ ገፊፎም ናብ ተሃድሶ ከምዝወሰድዎ፣ ኣብ እንዳቦኻ ሃብቶም ኣብ ጸበል’የ ሰሚዐ።

     ሲራክ ወደ’ዴኻ መብራት ብድሕሬኻ ናብ ሱዳን ከምዝሰገረ ኸ ሰሚዕካ ዶ? ትራኸቡ ትኾኑ። ሓደራኻ ዝወደይ ደሃዩ ግብር። ሓዊ የብሉ ሓብቲ…በይኑ’ዩ።  ስደት ኮይኑ ዘመንኩም ‘ዞም ደቀይ። ጸላኢና ይሰደድ። ስደት ሲ ጸሊእካዮ ኣሎኻ ዝወደይ። እንታ ‘ሞ ክትገብሩ፣ ተካል ዘበን ኣርኪቡኩም። ኣብ ባሕሪ ናይ ዝጠሓሉ ደቅና ሕምስ ኣቢሉና’ዩ ቀንዩ።  ዘዝዓበየ ናብ ስደትን ሞትን ኮይኑ። ዘጸናንዕ ተሳኢኑ።

      “ስደት መርገም’ዩ፣” እናሉ ዛንታ ወለዶ ሙሴን ሩት እታ ሞኣባዊትን ኣረዲእ’ዮም ከሪሞሙና ኣባት-ነፍስና ቀሺ ዘርኣብሩኽ። ለባም ቀሺ’ዮም። ወንጌል ጉዳዮም’ዮም ክፈልጡ። ፈጣሪ ክተዓረቀና ጾምን ጸሎትን ነዘውትር ምስ በሉ’ዮም። መን’ሞ ሰሚዑዎም ኢልካዮ ኢኻ። ባዕሉ ደኣ እቲ መድሃኔ ኣለም ገጹ ይምለሰልና’ምበሪ።

     ደሓር ከኣ ኣብ ስደቱ ዝተባረኸ ምህላዉ’ኳ ቀሺ ዘርኣብሩኽ፣ ዛንታ ዮሴፍ እቲ እብራዊ፣ እናሻዕ ይደጋግሙልና’ዮም። ብፍላይ’ካ ድሕሪ’ቲ በዘን ሬድዮታት እንሰምዖ ዘሎና ናይ ሲናይ ቃንዛ፣ “ዮሴፍ እቲ  እብራዊ ዘክሩ'”ዮም ዝምዕዱና ኣቦኻ ቀሺ። ኣሕዋቱ ካብ ገጽ ርስቶም ከርሕቕዎ ዝሸጥዎ ንኡስ ሓዎም፣ ኣብ ዘመነ ስደቶም ምንጪ በረኸቶም’ዩ ኮይኑ። ኣዴኻ ከኣ ዛንታ ዮሴፍ ክፍትዎ ጉዳም እንድየ፣ ቀሺ ዘራኣብሩኽ ክደጋግምዎ እንከለዎ ሲ ንብዓት’ዩ ዝስዕረኒ። እሞ ክቡር ወደይ ምስዳድኩም ዘይተረፈ ሲ ስደት ዮሴፍ ይግበረልኩም።

     ኣንታ ብሩኸይ! ክመጽእ’የ ይብል ኣሎ ዝብሉኻ ዘለዉ’ሲ ሓቂ ድዩ?። ነዛ ዓይንኻ እንተዝርኢ ደጊም ሞት ከም ኣዳም ምበልኩ። ግና እዞም መንግስትና ገለ ከይብሉኻ። ዝበኣሰ ከይመጽእ። ደሓር ከኣ ዓዳ ብዓዳ ብስደትን ሞትን ሓዚና’ያ ዘላ’ሞ፣ ኣዴታቶም ኤህ! ከይብላኻ ብሩኸይ። ባሕሪ ገዲፍካዮም ዝኣቶኻ መሳቱኻ ዘክር።

     ስእልኻ ደጋጊመ ይርእዮ’ሞ ጽቡቕ ምህላውካ ይሕጎስ። መዓጓጉርትኻ መሊኡ፣ ማዳኻ ሃሲሱ ምርኣየይ ንእግዝትነ ወላዲት ኣምላክ ኣመስግን’የ ዘብላ። 

     “ውሽጠይ እንኳዕ ኣይተሳእለ ምባልካ፣” ልቦና’ዩ ዝወደይ። ኣብዚ ዘሎና፣ ውሽጥና እንተዝሰኣል’ሞ …እዝግዮ!!! ውሽጥናን ደጌናን ዝፈልጥ ፈጣሪ ባዕሉ ኣሎ። ደጌናን ውሽጥናን ስእሊልና እንተንሰደልኩም…. ደሓን ባዕላ እታ ኪዳነ ምህረት ኣላ። ደሓር ከኣ’ቶም ሰብ ወጻኢ ሲ ደሓን ደጌኹም እንተጸበቐ፣ ኣምላኽኩም ኣመስግኑ ብሩኸይ። 

     ዝልኣኽካለይ ገንዘብ ኣሽሪፉ ሂቡኒ’ዩ ዝወደይ። ኣኺሉ ከምዘይተርፈካ ፈሊጠ ኣለኹ። ደሓር ከኣ እዚ ኤውሮጳ ስራሕ የብሉን ክብሉ’ሲ ይሰምዕ’የ። እቲ ገዛ ኽራይኩም፣  መግብኹም፣ ናይ ኣውቶቡስኩኒ መሐሸሺኹምኒ ሲ መንግስቲ ኤውሮጳ’ዮም ዝኽእልኹም ኢሎ’ሞ ኣንታ ብሩኽ። ከመይ እግዜሄር ይባርኮም። ኣይሓረስኩም ኣይመሓስኩም፣ ደንጎላ ኣየቀበልኩም ኣይሃነጽኩም ሲ በቃ ብኸምኡ ይናብይኹም። ኣብዛ ዓድና’ሲ ባ ከምታ ትፈልጣ’ያ። እንኳዕ ደኣ ንነብስኻ ኮንካ’ምብር ዝወደይ ብኣይ ሲ ብዙሕ ኣይትሸገር። 

     ሓብትኻ’ውን ኣቐዲሙ ልኢኻትለይ ኔራ’ያ። ዘድልየኒ ኩሉ ካብዚ መንግስትና ዝቀረበልና ድኳን ሕድሪ ሸማሚተ’የ።  ዘይትን ሽኮርን ደኣ’የለን ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ኢሎምና’ምበር። ማሸላን ብርስንን ሲ እኹል ኣለኒ ‘ዞም ደቀይ።

     እንቲ’ቲ ጋዝን ላምባን ደሓን ናቱ ገዲፍካ ተዛረብ። ምስ ቀመር ሰይቲ እስታዝ ዓብደራሕማን ምሉእ ለይቲ ኣብን ሪጋ ሓዲርና ክሳብ እዛ ሎሚ ኣይሰለጠናን። ወላ እታ ላምባ ከም ልብኻ እንተትኾነልና’ኳ ነዚ ጋዝ’ውን ኣይምደለናዮን።

     ምምሕዳር ገዛውትና’ውን ድሕሪ ስደትካ ካብ ኩፖን ክወጽእ ኣለዎ ስለዝበሉ፣ እዋእ 50 ሽሕ ክፈሊ ከይብሉኒ ማይ’የ ሓቒፈ ቀንየ። ገዲፎሞ ግዲ ኮይኖም፣ ኣይሓተቱኒን። ካብቲ መሻርፍ ደኣ’ዮም ኣጉዲሎሙኻ’ምበር ክሳብ ሕጂ ሲ ገለ ኣይበሉኒን። ደሓን ይእተዉ!

As

     ብሩኽ ወደይ…

     እዞም ሰብ ወጻኢ ብዘይካ መስተን ጓይላን ካልእ መዘናግዒ የብሎምን ክብሉ ‘ሰምዕ’ሞ፣ እሻቐል። ብፍላይ’ዞም ሰብ ስዊስ፣ ኣኣኺልዎም ኣብ መስተ’ዮም ዝውዕሉ ክብሉኒ እንከለዉ፣ ኣየርኢኻ ዝኾኖ።  ዝሓለፍክሞ መከራ ዘክሩ። ኣይትንእሱ ዝወደይ። ደጊም ክንድ ሰብ ኮይንካ ኢኻ። ቁሩብ’ኳ ኣብዚ እንሃለካ ዘየምሰልኩኻ እጥዓስ። 

     ሓብትካ እዛ ሚዛን፣ ኣምላኽ ባዕሉ ደኣ ካሕስኣ የርእየና’ምበር ምእንታና ክትብል ዘሕለፈቶ ከይትርስዕ ሓደራ ዝወደይ። ክንዲ ኣቦኣን ኣያኣን ንስኻ ኢኻ። ናብቲ ዘላቶ ሃገር ገይሽኻ ማእገር ኩና ኢኻ ብሩኸይ። እንተ ብኣይ ብዙሕ ኣይትሻቐሉ፣ ኣደይ! ምባልኩም ጥራይ ንዓየ ንሱ ዓለመይ’ዩ። ወላዲት ንሱ’ዩ መኽሰባ፣ ብሩኸይ።

     ርኢኻ ዝወደይ፣ እዚ ኹሉ መከራ ስደት ሓሊፍካ ዓድሰብ ምብጻሕካ፣ ሳላ ፈጣሪ’ዩ። ሰብ ደኣ’ንታይ ዓቕሚ ኣለዎ።  ሰብ ኣብ ስደቱ ብዙሕ’ዩ ዝርስዕ’ሞ ሓደራ ኣይትረስዕ። ኣውራ’ኳ ንፈጣሪኻ።

     ምንፋቕካ ግርም ኢካ ዝገበርካ ዝወደይ። ኣሓ ካብ በረኻ ናብ ደምቢኤን ክኣትዋ፣ ‘እምባሕ’ ምባለን ግዲ እንታይ’ዩ? ዓዲ ውዒል ንዝኾኑ ብፍላይ’ኳ ጠባዋት ደቀን ምንፋቐን ዶ ከይኮነ። 

     ዘለኻዮም ዓዲ ናብ ዓደይ ክምለስ’የ እንተልካዮም ከ እንታይ ምበሉኻ? ደሓር ደኣ ምእታዊ ከይከልኡኻ ተመሊሶም። እዞም ጸዓዱ ጎራሓት ከም ተመን’ዮም ዝወደይ። ጥንቕቕ ደኣ’በለሎም ኢኻ። 

     “እዞም ብዶብ ዝሃደሙ፣ ኣብ ኤምባሲታት ‘ተጣዒስና’ ኢሎም ፈሪሞም’ዮም ናብ ዓዲ ዝኣትዉ፣” እናበለ ህዝቢ ገጽ ኣይህቦምን’ዩ። ሽግር ንሰብኣዊ ክልተ ግዜ ስሪኡ ኣየፍትሖን’ዩ ዝወደይ። ሓንሳእ ስሪኡ እንተፈቲሑ እቲ ካልኣይ እንተ ሞተ’ዩ ዝሐሾ። ሰብኣይ ኩን ብሩኸይ። እዛ ዝጽሕፈልካ ዘለኹ ደብዳዳቤ ሰብ ከይርእያ ሓደራኻ። 

     ዓድኻ፣ ዓደ’ቦኻን ዓዲ’ዴኻን ዝኸልኣካ የለን። እቲ ምምላስ ግና ምስ ኣሕዋታ እንተዝኾነልካ ዝሐሸ ምኾነ። ኣነ ካብ ሽቑረራ፣ ንስኻ ካብ ሕሜታ ዓዲ ንውዕል። ደሓር ከኣ ሕልሚ ኮይኑ ክሳብ ዝስምዓኩም ናብ ዓድኹም እትምለስሉ ግዜ እኮ ርሑቕ ኣይኮነን። ክሳዕ ንሱ ዝቐዱ ግና፣ ደፋእ ኢልካ ርእስኻ ከኣል። ክልተ ልመና ነውሪ’ዩ ብሩኸይ። ፈጣሪ ኩላ ኣለም፣ ካብ በረኻን ባሕርን ኣውጺኡ’ካ ኣሎ። ንሕና ቅሳነት ክንረክብ ንስኹም ድማ ሓማድ ዓድኹም ክትልሕሱ፣ ምውዓለይ ኣብ ቤትክርስትያን እንዳገብርኤል’ያ ኮይና ዘላ። ንፈጣሪ ካልእ ዝልምኖ ነገረ የለን። 

     መርዓኹም ክርኢ ድማ ሃረር ይብል ኣለኹ።

     ካብ ወላዲትካ ብርኽቲ – ሪጋ ሶማል

 

ዕባይ ኣኽርያ 

16 ነሓሰ 2015

ፓሪስ

++++++++++++++++++++++

    

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0