ብሞት 47 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝተኸሰሳ ጥርጡራት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪበን

ብሞት 47 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝተኸሰሳ ጥርጡራት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪበን

Radio Erena : 10 April 2015

47eth

ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ክነጥፋ ከምዝጸንሓ ዝተጠርጠራ ክልተ ኢትዮጵውያን፣ ብሞት 47 ኢትዮጵያውያን ተኸሲሰን ኣብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረባ ዘ ሪፖርተር ኣብ ናይ ትማሊ ጸብጻቡ ገሊጹ።

እተን ኣስካለ ደዴሳን ሰሚራ ሓሰን ዓሊን ዝተባህላ ክልተ ክሱሳት፣ ልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶባት ኬንያን ታንዛንያን እናቖራረጻ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዘሰጋገራ’ውን ተሓቢሩ።

 

ኣስታት 150 ንዝኾኑ ኢትዮጵያን ኣብ ኮንተይነራት ዓጽየን ካብ ኬንያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘሰጋግራሉ ዝነበራው እዋን ድማ፣ ብሰንኪ ሕጽረት ትንፋስ 47 ካብኣቶም ከምዝሞቱን ልዕሊ 92 ድማ ጉድኣት ከምዝበጽሖምን እቲ ናይ ሪፖርተር ጸብጻብ የመልክት።

እዘን ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂን ሰብን ብሞት 47 ኢትዮጵያውያን ተኸሲሰን ክድለያ ዝጸንሓ ክልተ ኢትዮጵያን ደቂንስትዮ፣ ብምትሕብባር ሓይልታት ጸጥታን ኢትዮጵያን ኬንያን ድሕሪ ምትሓዘን’የን ብ’ ኢንተርፖል’ ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኸን።
=========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0