ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኢትይጵያ፣ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን መፍትሒኡን ንምዝታይ ናብ ኡጋንዳ በጺሑ

Radio Erena: 17 November 2020

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን፣ ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኡጋንዳ ብምብጻሕ ብዛዕባ ህሉው ኵናት ኢትዮጵያን መፍትሒኡን ከምዝዘተየ ማዕከናት ዜን ኡጋንዳ ኣረጋጊጸን።

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብሰኑይ 16 ሕዳር ናብ ካምፓላ ድሕሪ ምእታዉ፣ ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ከምዝተዘራረበ’ውን ብኣሳእል ኣሰንየን ኣቕሪበን።

ኣቐዲሙ፣ “ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ናይ ምሽምጋል ተበግሶ ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ።” ንዝብል ሓበሬታ፣ ግጉይ ምዃኑ ብወገን ኢትዮጵያ ተሰሚዑ’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ናይ ትማሊ ሰኑይ፣ 16 ሕዳር፣ ርክብ እቲ ፕረዚደንትን ልኡኽ ኢትዮጵያን ግና፣ ኡጋንዳ’ውን ኣሰር ጂቡቲ፣ ኬንያ፣ን ካልኦት ሃገራትን ብምስዓብ፣ እቲ ኵናት ብዘተን ሰለማዊ መንገዲን ጥራይ ክፍትሕ ከምዝኽእል ዝእንፍት መርገጺ ምውሳዳ ተመልኪቱ ኣሎ።

ጂቡቲ፣ ኡጋንዳ፣ ሶማል፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን፣ ኵናት መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ብሰለማዊ መንገዲ ጥራይ ከምዝፍታሕ ክኣምና እንከለዋ፣ ብኵናት ንምፍትሑ ዝህንደዱ ዘለዉ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድን ጥራይ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0