ብምክትል ሚኒስተር ንግዲ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

ብምክትል ሚኒስተር ንግዲ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 26 June 2018

Ethio US trade

ብምክትል ሚኒስተር ንግዲ ጂልበርት ካፕላን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ልኡኽ ትማሊ 25 ሰነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ ኣብ ንግድን ቁጠባዊ ሽርክናን ብምትኳር ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁን ካልኦት ሰበ ስልጣንን እታ ሃገር ተዘራሪቡ።

እቲ ልኡኽ ናይ ኢትዮጵያ ዕደቱ ዛዚሙ ናብ ኬንያ፣ ኣይቮሪኮስትን ጋናን’ውን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ከካይድ’ዩ።

ዕላማ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝህሉ ንግዲ ንምድህሳስ’ዩ።

 

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0