ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝተመርሐ ልኡኽ ግብጺ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ዑደት የካይድ ኣሎ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝተመርሐ ልኡኽ ግብጺ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ዑደት የካይድ ኣሎ

Radio Erena: 06 May 2015

Eg

ሎሚ ሮቡዕ 6 ግንቦት ናብ ደቡብ ሱዳን ዑደት ዘካየደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንምዝርራብ ናብ ኣስመራ ኣምሪሑ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብዛዕባ ዑደት እቲ ሚኒስተር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሚኒስተር ሳምሕ ሹክሪ ካብ ፕረዚደንት ግብጺ ዓደብል ፈታሕ ኣልሲሲ ዝተላእከ ደብዳቤ ናብ መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ከብጽሕ’ዩ።

 

እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝተመርሐ ወኪል መንግስቲ ግብጺ፣ ኣብ ናይ ደቡብ ሱዳን ዑደቱ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲትን ደቡብ ሱዳናዊ መዘንኡ ባርናባ ማርያል በንጃሚንን ብምርኻብ ኣብ ህሉው ኩነታት እታ ሃገር ዘተኮረ ዘተ ኣካይዱ።

ግብጺ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ኢዳ ትሕውሰሉን መስርሕ ሰላም እታ ሃገር ንምቕልጣፍ ክህልዋ ኣብ ዝኽእል ኣበርክቶን ድሕሪ ምዝርራብ ከኣ ወኪል መንግስቲ ግብጺ፣ ናብ ኤርትራ ከምዘምርሐ ኣፈኛ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዓብደል ዓቲ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ኤርትራ’ውን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ክዝቲ ምዃኑ እቲ ኣፈኛ ሓቢሩ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ ኣብቲ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዘካይዶ ዝርርብ፣ ኣብ ህሉው ዞባዊ ጉዳይ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳያት የመን፣ ጅቡቲ፣ ሶማልን ኢትዮጵያን ከተኩር’ዩ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0