ብሚኒስተር ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ዝተዳለወት መጽሓፍ ኣብ ዝመጽእ ቀዳመ ሰምበት ክትዝርጋሕ’ያ

ብሚኒስተር ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ዝተዳለወት መጽሓፍ ኣብ ዝመጽእ ቀዳመ ሰምበት ክትዝርጋሕ’ያ

Radio Erena: 07 September 2018

 berhane book releaseብሚኒስተር ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ዝተዳለወት መጽሓፍ ኣብ ዝመጽእ ቀዳመ ሰምበት ብወግዒ ክትዝርጋሕ’ያ።

ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ኣብታ ‘ኤርትራ ሃገረይ’ ዝሰመያ መጽሓፉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ መስገደል ከምኡ’ውን ንኣሰራሓ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብሰፊሑ እትገልጽ ምዃና ይሕበር።

ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፣ ንባሕቲ መስከረም ብምኽንያት ብምግባር ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወሪዱዎ ዘሎ ኣደራዕ ንኽወጽእ፣ ሕጂ’ውን ቃልሱ ከትርር ተላብዩ። ኣብቲ ብድምጹ ተቐሪጹ ናብ መራኸቢ ብዙሓን ተዘርጊሑ ዘሎ መልእኽቲ፣ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፣ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ብቕጽበት ክጽውዕ፣ ብበናዊ ውሳኔ ዝወስዶ ዘሎ ስምምዓት ከቋርጽ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቡ ክትዕ ከካዪድ ጸዊዑ።

 

 

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0