ብመንገዲ ሱዳን ናብ ትግራይ ዘእቱ መንገድታት፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጽጻሕ ክኽፈት ኣመሪካን ፈረንሳን ጸቕጢ ይገብራ

Radio Erena: 05 August 2021

ኣመሪካን ፈረንሳን፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ትግራይን ብመንገዲ ሱዳን ሰብኣዊ ሓገዛት ዝበጽሓሉን ተኽእሎታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ሱዳን ተመያይጠን።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ብ04 ነሓሰ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፣ ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ካብ ምብራቕ ሱዳን ናብ ምዕራብ ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጽጻሕ ኣብ ዘሎ ተኽእሎታት ተመያይጡ።

ኣቀዲሙ ብ31 ሓምለ ድማ፣ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ከምዝተዘራረበ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ኣረጋጊጹ።

መንግስታት ብሪጣንያ፣ ኣየርላንድ፣ ፊንላንድን ሕብረት ኤውሮጳን’ውን ነዚ ብኣመሪካን ፈረንሳን ድፍኢት ዝግበረሉ ዘሎ፣ ምኽፋት ናብ ትግራይ ዘእቱ ዶብ ሱዳን ደገፈን ይህባሉ ምህላወን ተፈሊጡ ኣሎ።

ንምዕራብ ትግራይ ምስ ሱዳን ብቀጥታ ዘራኽብ መንገድታት ከምዘይከፍት ዝገልጽ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓያላን ሃገራት ኣብ ልዕሊኡ ዝገብሮ ዘለዋ ጸቕጢ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ምእታው’ዩ ክብል ይቓወም ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ትግራይ ዘእቱ መንገድታት ይዓግትን፣ ብነፈርቲ ሓገዝ ናይ ምብጽጻሕ መስርሕ ድማ የሰናኽልን ከምዘሎ’ዮም ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ትካላት ግብረ ሰናይ ዝወቕሱ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0