ብሕታዊ ወፍቲ ኣብ ኤርትራ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ዝተኻየደ ብሕታዊ ወፍሪ ካብ’ቲ ቅድኡ ዝነበረ ሓሙሽተ ዓመታት ብዕጽፍታት ከምዝጎደለ ክኢላታት እዚ ዓውዲ ናብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኽዎ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣረዲኦም።

መንግስቲ ኤርትራ 27ን 28ን ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ከካይዶ ምዃኑ ዝገለጾ ዋዕላ ወፍሪ፣ ኣብ ወፍሪ ዓቢ ጻዕሪ ከምእተኻየደ እኳ እንተተገልጸ በንጻሩ ግና ኣብ ረብሓ ህዝቢ ዝወዓለ ውጽኢት እቲ ጻዕሪ ተኻይድሉ ዝተባህለ ወፍሪ ከምዘየለ’ውን እቲ ጽሑፍ የገንዝብ።
ኤርትራ ሳላ ዘለዋ ዕቑር ጸጋታት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዕደና ሓያሎ ንጥፈታት ይካየድ እኳ እንተሎ፣ እቲ ኣውራ ቆላሕታ ክወሃቦ ዝክእል ከም ኢንዱስትሪ ዓሳ ዝኣመሰለ ካልእ ጽልታት ወፍሪ ግና ባይታ ዘቢጡ ከምዘሎ ይሕበር።
ኣብ ኤርትራ ብውሕዱ 16 ኩባንያታት ዕደና ኣብ ዳህሳስን ኩዕታን ወርቂ ዝርከቦ ሓያሎ ትካላት ከምእተዋፈራ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ በንጻር እዚ ግና ኣብ ግዙፍ ንግዲ፣ ሕርሻ፣ ህንጻ፣ ኢንዱስትሪ ዓሳን፣ ካልእ ዝተዋፈራ ብሕታውያን ናይ ግዳም ኣውፈርቲ የለዋን።
እቲ ኣብ ንግዲ፣ ህንጻን ሕርሻን ተኻይዱ ከምዘሎ ዝግለጽ ግዙፍ ወፍርታት’ውን ብህግደፍ ኣብ ዝውነን ትካላት ብምዃኑ፣ ብዙሕ ተሓታትነት ዘይብሉ፣ ግሉጽነት ዝጎደሎን ኮይኑ ንብልሽውና ዝተቓልዐ’ዩ ተባሂሉ’ዩ ዝንቐፍ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ብዘለዎ ግጉይ ፖሊሲ፣ ብዝሒ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናጎደለ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ከም ዶልቸ ቪታን፣ ባናቶምን ዝኣመሰላ በጻብዕ ዝቖጸራ እንተዘይኮይኑ፣ ብሕታዊ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ዳርጋ የለን’ዩ ክብሃል ዝከኣል።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0