ብሊንከን ናይ ኢትዮጵያ ጻንሖቱ ዛዚሙ

Radio Erena: 17 March 2023

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ስራሕ ክፍጽም ዝቐነየ ሰክሬታሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ዑደቱ ዛዚሙ ብሓሙስ 16 መጋቢት ናብ ኒጀር ኣምሪሑ።

ብሊንከን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ፡ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ምኽትል ቀ/ሚኒስተርን ሚንስተር ጉዳያት ወጻእን ደመቀ መኮነን፡ እንተላይ ካብ ንስስምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝፈረሙ ወኪል ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴንን ኣፈኛ ህውሓት ጌታቸው ረዳን ተራኺቡ ብምዝታይ፡ ምዕባለታት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ተዓዚቡን ኣብ መጻኢ ክትግበር ብዛዕባ ዘለዎ ስጉምትታትን ዘትዩ።

ንሱ ብተወሳኺ ተሓታትነት ኣብ ኲናት ገበን ዝፈጸሙ ሓይልታት፡ ሰብኣዊ ረድኤትን ኣካታትነት ናይ መሰጋገሪ ፍትሒ ዝብሉ ኣርእስትታት ምስ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ተላዚብሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ትግባረ እቲ ስምምዕ ንዘርኣየቶ ጻዕሪ ዘሞጎሰ እቲ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣፍሪቃውያን ሽግራቶም ብገዛእ ርእሶም ክፈትሑ ከም ዝኽእሉ መርኣያ እዩ ኢሉ።

ኣሜሪካ ናይ ልዕሊ 331 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተወሳኺ ረድኤት ንኢትዮጵያ ከም እትህባ ዝሓበረ ብሊንከን፡ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክጽበዮ ዝጸንሐ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝተነብረ እገዳ ተላዒሉ ናብቲ ኣብ ትሕተ ሳህራ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ሃገራት ንምሕጋዝ ዝዓለመ ስምምዕ ነጻ ቀረጽ ወይ ኣጎዋ ናይ ምምላስ ሓሳብ ግን፡ “ኢትዮጵያ ካብ ስምምዕ ንግዲ ነጻ ቀረጽ ዝተሰረዘት ሕጋውነት ብዝተኸተለ መልክዕን፡ ብዓለማዊ ደረጃ ዝፍለጡ ሰብኣውያን መሰላት ብምጥሓሳን እዩ” ብምባል፡ ናብቲ ስምምዕ ንምምላስ ግልጺ ዝኾኑ መምዘኒታት ከም ዘለዉን፡ኢትዮጵያ ነቶም መምዘኒታት ንኸተማልእ ምምሕዳር ባይደን ብሓባር ክሰርሕ ምዃኑን ቃል ኣትዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ይወጽእ ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና ዝበለ ብሊንከን፡ ኣወጻጽኡ ኣብ ገለ ኣከባቢታት ደንጉዩ ምህላዉ እውን ኣስሚርሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብሊንከን፡ ምስ ኣቦ ወንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋቂ ብምርኻብ፡ ኣፍሪቃ ኣብ ባይቶ ጸጥታን ጉጅለ 20 ሃገራትን ንኽትውከል፡ ድጋፉ ከም ዝህብ እውን ተመባጺዑ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0