ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ዘንበሮ ናይ ኣጽዋር እገዳ ብሓደ ዓመት ኣናዊሑ

Radio Erena: 31 May 2021

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ዘንበሮ ናይ ኣጽዋር እገዳ ክሳብ 31 ግንቦት 2022 ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሑ።

እቲ ብውሳኔ 2577 ዝፍለጥ እገዳ፣ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ሰበ ስልጣን፣ ሓለፍቲ ጸጥታን ወትሃደራውያን መኮንናትን ዝተነብረ ናይ መገሻ እገዳ’ውን ብተመሳሳሊ ክናዋሕ ኣድሚጹ።

ሓሙሽተ ቀወምቲን 10 ድማ ተቐየርቲን ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብቲ ብ28 ግንቦት ዘካየዶ ኣኼባ፣ 13 ሃገራት እቲ እገዳ ክናዋሕ ክድግፋ እንከለዋ ክልተ ሃገራት ድማ ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢበን።

ጎኒ ጎኒ’ቲ እገዳ፣ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን፣ መጽናዕቲ እተካይድ ናይ ክኢላታት ጉጅለ’ውን ዕማማ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ዞባ ራፕ ኣብ ዝተጎሃሃረ ናይ ብሄር ግጭታት ብውሕዱ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበ ስልጣን ናይቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቲ ንክልተ መዓልታት ዝቐጸለ ግጭት፣ ካብ ዞባ ዩኒቲ ዝመጹ ዑጡቃት፣ ኣብ ዞባ ራፕ ኣብ ዝርከባ ቁሸታት ከብቲ ንምዝማት ድሕሪ ዘካየድዎ ፈተነ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተወልዐ ኮሚሽነር ቡል ንማዕከናት ዜና ገሊጹ።

በቲ ማንጎል ኣብ ዝተባህለት ቁሸት ዝተኻየደ ግጭት፣ ሓሙሽተ ቆልዑን ሰለስተ ደቂንስትዮን ዝርከብኦም ብውሕዱ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ኣባይቲ ከምዝተቓጸለን እቲ ኮሚሽነር ኣረጋግጹ።

ኣብቲ ዞባታት፣ ጠበናጁን ከም ካራን ጎዞሞን ዝኣመሰለን ብዝዓጠቑ ወገናት ተደጋጋሚ እዋን ግጭታት ይካየድ’ዩ።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ንዝርከብ ዕጥቅታት ንምእካብ ዘካየድዎ ጻዕሪ ክዕወት ኣይከኣለን።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0