ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢጋድ፣ ኣብ ጅቡቲ ይጋባእ

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢጋድ፣ ኣብ ጅቡቲ ይጋባእ

Radio Erena: 28 February 2019

IGAD

ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዝተመርሐ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢጋድ ኣብ ጅቡቲ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ትማሊ27 ለካቲት ከምኡ ድማ ሎሚ 28 ለካቲት ዝካየድ ኣኬባ፣ ብዛዕባ ምምሕያሻት ውድባዊ ቅርጺን ዕማማት እቲ ውድብን ክመያየጥ’ዩ።

ናይ መንግስታት በዓልመዚ ንምዕባለ ወይ ኢጋድ፣ ኤርትራ እትርከበን ሸሞንተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ዞባዊ ውድብ’ዩ።

ካብዚ ዞባዊ ውድብ ተገሊላ ዝጸንሐት ኤርትራ ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ርክብ ናብ ንጡፍ ኣባልነት ክትምለስ ጻውዒት እኳ እንተቐረበላ፣ ዛጊት ኣብ ዝኾነ ንጥፈታት ኣይተራእየትን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0