ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ጉዳይ እገዳ ኤርትራ ይዘራረብ ከምዘሎ ተገሊጹ

ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ጉዳይ እገዳ ኤርትራ ይዘራረብ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 26 July 2018

Olof

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ እገዳ ኤርትራ ይዘራረብ ከምዘሎ እዋናዊ ፕረዚደንት ናይቲ ባይቶ ኣምባሳደር ኦሎፍ ስኮግ ገሊጹ።

እቲ ሽወደናዊ ኣምባሳደር፣ ብ23 ሓምለ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ድሕሪ ምምጓስ፣ ምስ ጅቡቲ ዘሎ ምስሕሓብ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ንምፍትሑ ብኣምባሳደር ጅቡቲ ናብ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረስ ንዝቀረበ እማመ’ውን ብእወታ ከምዝርአ ኣስሚርሉ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ክልትኤን ሃገራት መብርሂ ከምዝሃቦም ዝሓበረ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ትግባረ ናይቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ክተሓባበሩ ቅሩባት ምህላዎም ኣገንዚቡ።

ንነዊሕ ዓመታት፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ክትግበር ክትደፍኣሉ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ’ዚ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ መስርሕ ሰላም እቲ እገዳ ክልዓለ ብወግዒ ጻውዒት ምቕራባ ይዝከር።

ብዛዕባ ጉዳይ እገዳ ኤርትራ ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ ድማ፣ እቲ ባይቶ ይመያየጠሉ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ብእወታ ንምድጋፉን ንገለ ሃገራት ካብ ተነጽሎ ንምድሓንን ዘተባብዕ ክኸውን ዘለዎ እምነት ብምጥቃስ፣ ሽወደን ኣብዚ ኣጀንዳ’ዚ እናተዓጻጸፈት ከምእትሰርሕ ኣረዲኡ።

ሽወደንን ኢትዮጵያን ዘይቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ምዃነን ይፍለጥ።

================== 

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0