ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዘትዩ

ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዘትዩ

Radio Erena: 04 January 2019

Nicholas

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዘተ ኣካይዱ።

እቲ ባይቶ፣ ኣብቲ ብ3 ጥሪ ዘካየዶ ዘተ፣ ኣብ ምስጓግ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ዘተኮረ’ዩ ኔሩ።

ካብ ሶማል ዝተሰጎገ፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኒኮላስ ሃይሶም፣ ኣብቲ ዘተ ተረኺቡ ጸብጻቡ ከምዘቕረበ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ንሱ፣ ንምእሳር መራሒ ኣልሸባብ ነበር ሙክታር ሮቦው ድሕሪ ዘስምዖ ተቓውሞ’ዩ፣ መንግስቲ ሶማል ካብ ሃገሩ ክወጽእ ኣገዲድዎ።

ብሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን ምወላ ሕቡራት ሃገራትን እትካየድ ዘላ ሶማል፣ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እተካየዶ ዘላ ጓስጓስ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኢዱ ዝሃበ መራሒ ኣልሸባብ ነበር ሙክታር ሮቦው፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ዞባ ባይዶዋ ዝልዓለ ናይ ህዝቢ ደገፍ ዝረኸበ’ዩ ኮይኑ ጸኒሑ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ሶማል፣ ካብቲ ምርጫ ንምግላሉ፣ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝተሓዝ ጌሩ፣ ኣብ ሞቛድሾ ኣሲርዎ ይርከብ።

ንስጉምቲ መንግስቲ ሶማል ብምቅዋም ነበርቲ ባይዶዋ ኣብ ዘካየድዎ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ብውሕዱ 15 ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 300 ድማ ከምዝተኣስሩን ይንገር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0