ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ቅጽበታዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዑ፤ ሳልቫ ኪር ሽምግልና ከካይድ ደገፍ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓቲቱ

Radio Erena: 07 November 2021

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ቅጽበታዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ባይቶ ጸጥታ ብዓርቢ 5 ሕዳር ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ ዝገበሮ ፍሉይ ኣኼባ፣ ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ናብ ካልኦት ክልላት ኣስፋሕፊሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ዘስዕቦ ዘሎ ሰብኣዊን ንዋታዊን ክሳራ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ኣመልኪቱ።
ባይቶ ጸጥታ፣ ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት፣ ብረቶም ኣውሪዶም ነባሪ ሰላም ንምስፋን፣ ዘተ ሰላም ክጅምሩ ተማሕጺኑ። ብኩሎም ወገናት ዝንዛሕ ዘሎ ዓሌት ዝሰረቱ ናይ ጽልኢ መደረታት እውን ደው ክብል ጸዊዑ።
ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክሰፍን፣ ኩሎም ወገናት ዝሳተፉዎ ሃገራዊ ዋዕላ ክካየድ ዝጠልብ ዘሎ ባይቶ ጸጥታ፣ በቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንዝተጠቕዐ ህዝቢ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይዕንቅፋት ንኽባጻሕ፣ ኩሎም ወገናት ኣህጉራዊ ውዕል ከኽብሩ ጸዊዑ።
እዚ ዓመት መሊኡ ዘሎ ኲናት ደው ክብል፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ሓያሎ መራሕቲ ሃገራትን በብወገኖም ጻውዒት ከቕርቡ’ኳ እንተጸንሑ፣ ዛጊት ፍረ ኣይተረኽቦን።

ብኻልእ ወገን ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዘሎ ኲናት ናይ ሽምግልና መስርሕ ንምጅማር፣ ደገፍ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ጸዊዓ።
ፕረዚደንት’ታ ሃገር ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክካየድ ከምኡ’ውን ዘተ ሰላም ክጅመር ዘኽእል እማመ ኣዳልዩ ከምዘሎ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ኣመልኪቱ።
ሳልቫ ኪር ኣብ መግለጺኡ፣ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ በብውልቆም ምስ’ቶም ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት ርክባት ከካዪዱ ምጽንሖም ብምዝኽኻር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩሎም ብሓባር ክሰርሑ ጸዊዑ።
ኣቐድም ኣቢላ ሱዳን ናይ ሽምግልና ተራ ክትጻወት እማመ ኣቕሪባ’ኳ እንተነበረት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን ዘይተወደአ ጉዳይ ስለዘለዋ፣ ዘይሻራዊ መርገጺ ክትሕዝ ኣይትኽእልን’ያ ብምባል ነቲ እማመ ነጺጉዎ እዩ።
ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ ናይ ሽምግልና ተራ ክጻወት ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ብሓይልታት ትግራይን ጻውዒት ከምዝቐረበሉ እዩ ዝገልጽ።
‘ጠንቂ ኲናትን ዘስዕቦ ዕንወትን ዘይፈልጥ ኢትዮጵያዊ በዓል ስልጣን የለን፣ ከምኡ ስለዝኾኑ ከኣ ንሕና ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚድናሉ ኣብ ዝነበርና እዋን፣ ኢትዮጵያ ሸምጊላትና እያ’ ብምባል ንስግንጢርነት ናይቲ ኩነታት ዝገልጽ ሳልቫኪር፣ ኢጋድ እውን ነቲ ጉዳይ ክከታተል መዚዙዎ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0