ባይቶ ጸጥታ፣ ንተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማል ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣናዊሑ

ባይቶ ጸጥታ፣ ንተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማል ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣናዊሑ

Radio Erena : 27 May 2015

Amisom

ባይቶ ጸጥታ፣ ትማሊ ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳኔ፣ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ንተወሳኺ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣናዊሑ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማል ዘለዎ ተልእኾ ክሳብ ነሓሰ 2015 ክናዋሕ ባይቶ ጸጥታ ዝወሰነሉ፣ ኣብታ ሃገር ተነዲፎም ናይ ዘለዉ ወትሃደራዊ፣ ጸጥታውን ፖለቲካውን እማመታት ንምክትታል ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ብ15 ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ዝጸደቐ ውሳኔ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ኣንጻር ኣልሸባብ ክወስድዎ ናይ ዝወጠኑ ዘመተ እማመታት ከቕርቡ’ውን ሓቲቱ ኣሎ።

 

ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣመሪካ፣ ኢትዮጵያን ኬንያን ብምውህሃድ ኣብ ዘካየድዎ መጥቓዕታት ኣልሸባብ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ሶማል ክበታተን እኳ እንተኽኣለ፣ ኣብታ ሃገርን ጎረባብታን ዝዓበትየ ስግኣት ካብ ምዃን ግና ኣየዕረፈን።

ባይቶ ጸጥታ ንተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማል ንሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ምንውሑ ዝኾነ ውጽኢት ከምዘይህልዎ ተንተንቲ ፖለቲካ ሶማል ይጠቕሱ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0