ባንክ ዓለም፣ ንኢትዮጵያ ልቓሕን ሓገዝን ዝውዕል ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ኣጽዲቑ

ባንክ ዓለም፣ ንኢትዮጵያ ልቓሕን ሓገዝን ዝውዕል ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ኣጽዲቑ

Radio Erena: 22 March 2018

eth_World bankባንክ ዓለም፣ 600 ሚልዮን ዶላር ብልቃሕን ብሓገዝን ንኢትዮጵያ ክህብ ምዃኑ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።

እታ ጋዜጣ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ወኪል ባንክ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ካሮሊን ተርክን ሚኒስተር ቁጠባ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተን ነቲ ስምምዕ ብሰሉስ 20 መጋቢት ከምዝኸተምዎ ጠቒሳ።

ካብቲ ዝተኸተመ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ስምምዕ፣ እቲ 273 ሚልዮን ዶላር ብሓገዝ ክወሃባ እንከሎ፣ እቲ ዝተረፈ ከኣ ልቓሕ’ዩ።

ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ካብቲ ብልቓሕ ክወሃብ ጸዲቑ ዘሎ ገንዘብ፣ ንምዕባለ ከተማታት ዝተመደበ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣቐዲሙ’ውን እቲ ባንክ ኣስታት 400 ሚልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ክወሃብ ፈቒዱ ምንባሩ ዘዘኻኸረ እቲ ሓበሬታ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ባንክ ዓለም ንኢትዮጵያ ዘጽደቖ ገንዘብ ብጠቕላላ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር በጺሑ ምህላዉ ኣገንዚቡ።

ባንክ ዓለም፣ ነዚ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት፣ 10 ቢልዮን ዶላር ብልቃሕን ብሓገዝን ንኢትዮጵያ ክህብ ከምዝተመባጽዐ ዝዝከር ኮይኑ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ኣብ ምስፋሕ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክን ካልእ ናይ ልምዓት መደባትን ዝውዕል ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ናብ ኢትዮጵያ ክሰጋገር ኣጽዲቑ።

ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ካብ ባንክ ዓለም ብብዝሒ ልቃሕ ዝወሃበን ሃገራት ዓለም ምዃና ይፍለጥ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0