ባንክ ዓለምን IMFን ኤርትራ ንእትርከበን 39 ሃገራት ዘለወን ዕዳ ንኽሓድጉለን ኣብ መስርሕ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም

Radio Erena: December 23, 2013

 

ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን፣ ኤርትራ ንእትርከበን 39 ሃገራት ዘለወን ዕዳ ንክሓድጉለን ኣብ መስርሕ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

እቶም ኣህጉራውያን ትካላት ፊናንስ፣ ካብ 1996 ኣትሒዞም ን36 ሃገራት ናይ 96 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ከምዝሓደጉለን ብምዝኽካር፣ ኣብዚ እዋን ድማ ብድምር ክሳብ 114 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ንምሕዳግ ኣብ መስርሕ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።

 

ካብተን ዕዳ ክሕደገለን ተወጢኑ ዘሎ 39 ሃገራት ዓለም፣ እተን 31 ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃነን፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ባንክ ዓለም ሰፊሩ ዘሎ ጸብጻብ የመልክት።

ክሳብ እዚ እዋን፣ እዚ ናይ 35 ሃገራት ዕዳ ምሉእ ብምሉእ ከምዝሓደጉ ዝሓበሩ ባንክ ዓለም ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን እተን 30 ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃነን’ውን ጠቒሶም።

ጫድ ዕድኣ ንኽሕደጋገላ ነቲ መስርሕ ኣብ ምምላእ ከምዘላ ብምዝኽኻር ድማ፣ ኤርትራ፣ ሱዳንን ሶማልን’ውን ኣብ ግምት ኣትየን ከምዘለዋ እቲ ሓበሬታ የመልክ።

ሱዳንን ሶማልን ዕድአን ንኽሕደገለን ነቲ መስርሕ ኣብ ምምላእ ብዝልዓለ ይነጥፋ ከምዘለዋ ብተወሳኺ ዘረጋገጸ እቲ ሓበሬታ፣ ናይ ኤርትራ ንጥፈታት ግና ኣይጠቐሰን።

ኤርትራ፣ ድሕሪ ናጽነት ንዝተፈላለየ ልምዓታውን ቁጠባውን መደባት ካብ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ማለት-IMF ገንዘብ ክትልቃሕ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ብዝሒ ናይቲ ኤርትራ ካብዞም ትካላት ዝተለቐሓቶ ገንዘብ ግና ኣይተነጸረን።

ባንክ ዓለምን IMFን ዕዳ ሃገራት ንምስራዝ ካብ ዝጥቐምሉ መስርሕ ሓደ፣ እተን ሃገራት ድኽነት ንምጥፋእ ብዘርእየኦ ዘለዋ ጻዕሪ’ዩ።
==================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0