ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ንዝተጠቅዓ ኤርትራ ንእትርከበን ሃገራት፣ 1.5 ሚልዮን ዶላር ሓጊዙ

Radio Erena: 03 April 2020

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ንዝተጠቅዓ፣ ኤርትራ ንእትርከበን 9 ሃገራት ዝውዕል ናይ 1.5 ሚልዮን ህጹጽ ሓገዝ ኣበርኪቱ።

እቲ ሓገዝ ብመንገዲ’ቲ ንሕብረት ኣፍሪቃ ወኪሉ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኢጋድ ከምዝልኣኽ’ዩ ተሓቢሩ።

ካብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣትሒዘን ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምምካት ዝርከባ 9 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣- ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጂቡቲ፣ ሶማል፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን’የን።

ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፣ ነዘን ሃገራት ኣብ ዝግበርኦ ዘለዋ መኸተ ኣንጻር ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምስ ውድብ መግብን ሕርሻን ብምትሕብባር ይሰርሕ ከምዘሎ’ዩ ዘመልክት።

ነዘን ሃገራት ገጢሙወን ዘሎ ብድሆ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ናይ ኣስታት 150 ሚልዮን ዶላር ከምዘድሊ እኳ እንተተገመተ፣ ዛጊት ኣስታት ፍርቂ ናይዚ ጥራይ’ዩ ካብ ውድብ መግቢን ሕርሻን፣ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ለገሲ ሃገራትን ክረክብ ክኢሉ።

ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም ንለበዳ ኮርና ቫይረስ ኣብ ምምካት ተጸሚዳትሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ነዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ኣስታት 100 ሽሕ ሄክታር ዝግመት ናይ ሕርሻን ልሙዕ መሬትን ጉድኣት ዘብጽሕ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ትህቦ ቆላሕታ ትሑት ከምዝኸውን ይግመት።

ሶማልያ፣ ኢትዮጵያን ኬንያን ካብተን ቀንዲ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ዝተሃስያ ሃገራት እዚ ዞባ ኮይነን፣ ብፍላይ ሶማልያ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ከምዝደንገገት ይፍለጥ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0