ቢቢሲ ናብ ኤርትራ ዝቀንዐ ፈነወ ሬድዮ ክጅምር’ዩ

ቢቢሲ ናብ ኤርትራ ዝቀንዐ ፈነወ ሬድዮ ክጅምር’ዩ

Radio Erena: 27 November 2015

BBC

ማዕከን ዜና ቢቢሲ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ናይ ሬድዮ ፈነወ ክጅምር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ሓደ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝኾነ ቢቢሲ ብናይ ኤርትራ ቋንቋ ዝፍኖ መደባት ብሓጺር ማዕበልን ከመሓላልፍ ምዃኑ’ዩ ዝጠቕስ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ናብ ኢትዮጵያን ሰሜን ኮርያን ዝቐነዐ ሰፊሕ ናይ ሬድዮ መደባት ከተኣታቱ ምዃኑ ቢቢሲ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ማዕከን ዜና፣ ናብተን ብናጽነት ፕረስ ኣብ ድሕሪት ዝስርዓ ሃገራት ዘተኮረ ናይ ሬድዮ ፈነወ ክጅምር ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ፣ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ዓመተ 2017/2018 ናይ 128 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ኣብታ ሬድዮ ይገብር ስለዘሎ’ዩ።

 

ቢቢሲ ናብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሰሜን ኮርያን ዝቐንዐ ፈነወ ሬድዮ ክጅምር መደብ ከምዘለዎ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይዚ ዓመት’ዚ ኣንፊቱ ምንባሩ ይዝከር።

ክሳብ 2022 ኣብ ዘሎ እዋን ከኣ ናይ ዝርግሐ ሬድዮ ቢቢሲ ብደረጃ ዓለም ብምስፋሕ፣ ክሳብ ፍርቂ ቢልዮን ሰማዕቲ ንምሽፋን መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ኣካየድቲ እቲ ማዕከን ዜና የረድኡ።

ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ቢቢሲ፣ ነዚ ተበግሶ እዚ ንምውሳድ ዝሕልን ዘሎ፣ ኤርትራ ዝመራሒተን ሓያሎ ሃገራት፣ ናጽነት ፕረስ ብምጉዕጻጽ ልሳን ህዝቢ ክዓብሳ ንዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕርታት ኣብ ግምት ብምእታዉ’ዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፣ ኤርትራ ነዚ ዝሓለፈ 8 ዓመታት ብናጽነት ፕረስ ኣብ ድሕሪት ክትስራዕ እንከላ፣ ሰሜን ኮርያ’ውን ንኤርትራ ጥራይ በሊጻ ብድሕሪት ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0