በዓልቲ ቤት ምክትል ፕረዚደንት ዚምባብዌ፣ ብምጥፍፋእ ኣስታት 1 ሚልዮን ዶላር ተኸሲሳ

Radio Erena: 17 December 2019

በዓልቲ ቤቱ ንምክትል ፕረዚደንት ዚምባብዌ፣ ኮንስታንቲኖ ችዌንጋ፣ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣስታት 1 ሚልዮን ዶላር ብምጥፍፋኣ ተኸሲሳ።

እታ ሜሪ ሙባይዋ ዝተባህለት ጓል 38 ዓመት ወይዘሮ፣ ካብ ጥቅምቲ 2018 ክሳብ ግንቦት 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ 919 ሽሕ ዶላር ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዘሰጋገረት ኮሚሽን ጸረ ብልሽውና እታ ኣታ ሃገር ኣመልኪቱ።

ንሳ፣ እቲ ገንዘብ ዘሰጋገረቶ፣ ንብረት መንግስቲ ንምሽማት ብዝብል እኳ እንተኾነ፣ ብመጠን እቲ ዘጥፍኣቶ ገንዘብ ተዓዲጉ ናብ ዚምባብዌ ዝተመልሰ ንብረት ከምዘየለ ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ይኸስስ።

ንሙጋበ ብውሕሉል ወትሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣን ዝኣለየ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ነበር ጀነራል ኮንስታንቲኖ ችዌንጋ፣ ንምክትል ፕረዚደንት ነበር ኤመርሰን ምናንጋዋ ካብ ስደት መሊሱ ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ፣ ካብ ሰራዊት ተፋንዩ፣ ንባዕሉ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ከምዝተሸመ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ ድሕሪ ምእላይ ሮበርት ሙጋበ’ውን እንተኾነ፣ ዚምባብዌ፣ ካብ ብልሽውና ክትናገፍ ኣይከኣለትን።

ሰበ ስልጣን ዚምባብዌን ስድራቤታቶም፣ ዓመታዊ ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ብብልሽውና ከምዘጠፋፍኡ፣ ኣህጉራዊ ትካል ግሉጽነት የቃልዕ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0