ቅድሚ 20 ዓመታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዝተሰጕ ኤርትራውያን ንብረት ኣብ ክልተ ዓበይቲ መኻዚኖታት ተዓሺጉ ምህላዉ ተሓቢሩ

ቅድሚ 20 ዓመታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዝተሰጕ ኤርትራውያን ንብረት ኣብ ክልተ ዓበይቲ መኻዚኖታት ተዓሺጉ ምህላዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 16 July 2018

Addia Eritreans nbret

ኣብ እዋን ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዝተሰጕ ኤርትራውያን ንብረት ኣብ ክልተ ዓበይቲ መኻዚኖታት ተዓሺጉ ምህላዉ ዘ ሪፖርተር ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

እቲ ዝተፈላለየ ናይ ገዛን ናይ ቤጽ ጽሕፈትን ካልእ ከም ሞተር ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ ንብረት፣ ኣብ ከባቢ ጴጥሮስ ኣደባባይ ኣብ ዝርከብ ክልተ ዓብይቲ መኻዚኖታት ተዓሺጉ ከምዘሎ ዘረጋገጸ ኮርፐረሽን ኣባይቲ ‘ታ ከተማ፣ ዋናታቱ ሕጋዊ ሰነድ እንተቕሪቦም ክርከብዎ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ንብረት ኤርትራውያን ተዓሺግሉ ዘሎ ክልተ ዓበይቲ መኻዚኖታት፣ ነዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ካብ ዝኾነ ኣገልግሎት ከይሃበ ምጽንሑ ዝጠቐሰ ጸብጻብ ሪፖርተር ድማ፣ ብውሕዱ ንወርሒ ፍርቂ ሚልዮን ክካረ ይኽእል ምንባሩ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ከም ገዛን ካልእን ዝኣመሰለ ንብረት ዝተሃገሮም ኤርትራውያን፣ ተመሊሶም ንብረቶም ክወስዱ ከምዝኽእሉ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ከምዝኣወጀ ይዝከር።

ተሰጕጎም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝጸንሑ ሓያሎ ኤርትራውያን’ውን ነዚ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ብምኽታል፣ ንብረቶም ክምለሰሎም ንምሕትታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመላለሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኣብዚ ሕጂ’ውን ክልቲኤን ሃገራት ዝጸንሐን ናይ ኵናት ሃዋሁ ብምእላው፣ ኤምባሲታትን ይኸፍታ ምስ ምህላወን፣ ዝኾነ ሕጋዊ ጉዳያት ብመንገዲ እዘን ኤምባሲታት ክሳለጥ ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0