ሚ/ጉ/ወ ስዑዲ ዓረብ  ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ምዝርራብ ናብ  ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ

ሚ/ጉ/ወ ስዑዲ ዓረብ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ምዝርራብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ

Radio Erena: 09 August 2018

Saudi FM

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ዓድል ኣል ጁቤር፣ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ምዝታይ፣ ሎሚ ሓሙስ 9 ነሓሰ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

እቲ ሚኒስተር ብ 5 ነሓሰ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ኣብ ጅዳ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከምዘዘራረበ ይዝከር።

ንሱ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነ ገበየሁ ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሓድሽ ምዕባለታት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልከት ክዘራረብ’ዩ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብወራስ ዓራት ኣቡዳቢ፣ ናይ ክብሪ መዳልያ ኣብ ዝተሸለምሉ፣ ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ መራሕቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ርያድ ከምዝተዘራረበ ይዝከር።

ክልቲኦም መራሕቲ ዘተ ንስምምዕ ሰላም ቅድሚ ምእዋጆም፣ በብወገኖም ምስ ወራስ ዓራት ኣቡ ዳቢ፣ ሸኽ ኣልናህያን ከምዝተራኸቡ’ውን ይፍለጥ።

መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን እናተማእከለ ይኸይድ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ መንጎ ጅቡትን ኤርትራን ንዘሎ ምስሕሓብ ንምሽምጋል’ውን ተበግሶ ክወስዳ ከምዝኽእላ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሰኛታት ይእንፍቱ።

እዘን ክልተ ሃገራት ንምትእትታው ቀጠር ካብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ንምእላይ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያውን ውትሃደራውን ንጥፈታት ተዋፊረን ከምዘለዋ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0