ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ፣ ኣብ ሜዳታት ስፖርት ኤውሮ ናይ ተቓውሞ ስምዒታት ፈጢሩ

Radio Erena: 02 June 2020

ኣብ ኣመሪካ፣ ሚንያፖሊስ፣ ኣብ ልዕሊ ጸሊም ኣመሪካዊ ጂዮርጅ ፍሎይድ፣ ብፖሊስ ድሕሪ ዝሰዓበ ጭካኔ ዝተሓወሶ ቅትለት፣ ብደረጃ ዓለም ናይ ተቓውሞ ስምዒታት ኣለዓዒሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ከተማታት ኣመሪካ፣ ምቅጻል መደበራት ፖሊስ ዘስዓበ ናዕብን ተቓውሞን ክካየድ እንከሎ፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት’ውን ነቲ ኢሰብኣዊ ቅትለት ዝኹንን ናይ ተቓውሞ ስምዒታት ብዝተፈላለየ መልክዓት ይግለጽ ኣሎ።

ውራያት ስፖርተኛታትን ተዋሳእትን፣ ተቓውምኦም ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ካልእ መንገድታትን ክገልጹ እንከለዉ፣ ኣብ ከም ጀርመን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ስፖርታውያን ድማ፣ “ፍትሒ ንጆርጅ ፍሎይድ” ዝተጻሕፎ ማልያ ወድዮም ናብ ሜዳ ክወርዱ ዝተራእዩ ኣለዉ።

ሓደ ካብኣቶም ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ቦሩስያ ዶርትሞንድ፣ ኢንግሊዛዊ ጃደን ሳንቾ’ዩ።

ንሱ ኣብ ልዕሊ ፓደርቦን ጎል ኣብ ዘቑጸረሉ እዋን፣ ማልያ ጋንትኡ ብምውጻእ፣ “ፍትሒ ንጆርጅ ፍሎይድ” ዝተጻሕፎ ናይ ውሽጢ ማልያ ወድዩ’ዩ ተራእዩ።

ብሰንኩ ድማ ናይ መጠንቀቕታ ብጫ ካርድ ተራእዩ።

ተጻዋታይ ጀርመናዊት ክለብ ቦሩስያ ሞንሸንግላድባሽ፣ ማርኵስ ቱራም ድማ ጎል ኣብ ዘቁጽርሉ ኣብ ክንዲ እናዘለለ ሓጎሱ ዝገልጽ፣ ተንበርኪኹ ኣብ ልዕሊ ጂዮርጅ ፍሎይድ ንዝተፈጸመ ናይ ግፍዒ ኣቀታትላ ክቃወም’ዩ መሪጹ።

ማርኵስ ቱራም ወዱ ንህቡብ ተጻዋታ ኩዕሶ እግሪ ነበር ፈረንሳዊ ሊልያም ቱራም’ዩ።

ተጻወቲ ሊቨርፑል’ውን ኣብ ሜዳ ተመሳሳሊ ስጉምቲ’ዮም ወሲዶም።

ብፍላይ “ተምበርኪኻ” ዝግበር ዘሎ ተቓውሞን ዝኽሪን ኣብ ልዕሊ ፍሎይድ ንዝተፈጸመ ቅትለት፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዓለም ዝውቱር ኮይኑ ምህላዉ ካብ ማሕበራዊ ሜዳያ ዝእከብ ዘሎ ኣሳእልን ሓበሬታን የመልክት።

ንሰፊሕ ትሕዝቶ ስፖርት፣ ኣብ ናይ ሎሚ ሰሉስ ፈነወ ሬድዮ ኤረና ተኸታተሉ።

========

COMMENTS

WORDPRESS: 0