ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንቀ/ር እስራኤል ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ ዕድመ ኣቕሪብሉ

Radio Erena: 17 October 2019

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ ዕድመ ከምዘቕረበሉ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ኣብይ ኣሕመድ ንናታንያሁ ዕድመ ዘቕረበሉ፣ ብምኽንያት ስልማት ኖበል ምዕዋቱ፣ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ንምቕባል ብቴሌፎን ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ናብ እስራኤል ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ዝዝከርዩ።

ኣብቲ ግዜ ካብ ማዕከን ዜና ታይምስ ኦፍ እስራኤል ብዝተረኽበ ሓበሬታ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ናይ ምስጋጎም ዝተባላሓተ ሜላ ከም ዘለዎ ናታንያሁ ከም ዝገለጸ ሓቢራ ኔራ።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣብ እዋኑ ዝተረኽበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0