ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብዚ ክልተ ዓመትን መንፈቅን ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ፈላሚ መራሒ ሃገር ኮይኑ

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብዚ ክልተ ዓመትን መንፈቅን ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ፈላሚ መራሒ ሃገር ኮይኑ

Radio Erena: 09 July 2018

Abiy Ahmed

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመትን መንፈቅን ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ፈላሚ መራሒ ሃገር ኮይኑ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣጋጢምዎ ብዘሎ ዞባውን ኣህጉራውን ተነጽሎ፣ ኣብዚ ዝሓለፋ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ዝኾነ መራሒ ሃገር ኣይነበረን።

ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ፣ ኣብ መወዳእታ 2015 ናብ ኤርትራ ዘካየደ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ምብጻሕ፣ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ናይ መወዳእታ መራሒ ሃገር ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብሰንበት 8 ሓምለ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ኣብዚ 20 ዓመታት ኣብታ ሃገር ካብ ዝተኣንገዱ ኣቐባብላ መራሒ ሃገራት ሓደ ካብቲ ብዓይነቱ ዝማዕረገ’ዩ።

ቅድሚ’ዚ እዋን’ዚ፣ ብምምሕዳራት ህዝቢ ብምስላፍ ከምዚ ዓይነት ኣቐባብላ ዝተገብረሎም ንኣሚር ቀጠር ነበር ሸሕ ሓማድ ኣልታኒ፣ ንፕረዚደንት ሊብያ ነበረ ሙዓመር ቐዛፊን ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሽርን ጥራይ’ዩ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዶብ ኣሳቢቦም 120 ሽሕ ህዝቢ ዘህለቐ ኵናት ኣብ 1998 ካብ ዘካየዱ ንደሓር፣ መራሒ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ኣብዚ 20 ዓመታት እዚ ናይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ፈለማ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0