ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣድላዩ ስጉምቲ ክንወስድ ክንግደድ ኢና ምባሉ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ’ዩ ተባሂሉ

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣድላዩ ስጉምቲ ክንወስድ ክንግደድ ኢና ምባሉ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ’ዩ ተባሂሉ

Radio Erena: 09 July 2015

PM Haile

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ተጻብኦታት ይቕጽል ብምህላዉ ኣድላዩ ስጉምቲ ክንወስድ ክንግደድ ኢና ምባሉ፣ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ’ዩ ክብሉ ንኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝከታተሉ ዲፕሎማሰኛታት ኣረዲኦም።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ድሕሪ ምርጫ ኢትዮጵያ ብ7 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ፈላሚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኢትዮጵያ ነቲ ካብ ኤርትራ ክመጻ ዝጸንሐ ተጻብኦታት ግቡእ ምላሽ ክትህበሉ ከምዝጸንሐት ብምጥቃስ፣ እቲ ተጻብኦታት ሕጂ’ውን ይቕጽል ብምህላዉ፣ ንህዝቢ ብወግዒ ብምሕባር ኣድላዩ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ’ዩ ሓቢሩ።

 

እንተኾነ ኢትዮጵያ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ከምዝእትወስድ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይጠቐሰን።

መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስቲ ብኤርትራ ዝድገፉ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ የካይዱ ከምዘለዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን ምምጽኡ’ውን ኣብ መርበባት ሓበሬታ ብዙሕ ርእይቶታት ይወሃቦ ኣሎ።

ይኹን’ምበር እዚ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም መግለጺ፣ ካብ ፕሮፖጋንዳ ዝሓልፍ ከምዘይኮነ ንህሉ ኩነታት እዘን ክልተ ሃገራት ዝግምግሙ ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታትን ጋዜጠኛታትን ትንታነታቶም የውሕዙ።

ዕርቅን ሰላምን ንኽትግበር፣ ኢትዮጵያ ካብቲ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተወሰነ ባድመ ዝርከቦ ከባቢታት ሰራዊታ ክትስሕብ መንግስቲ ኤርትራ ክሓትት እንከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፣ ሰራዊቱ ቅድሚ ምስሓቡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቀጥታዊ ዝርርብ ከካይድ ከምዝደሊ ብምግላጽ ቅድመ ኩነት ምቕራቡ ዝፍለጥ’ዩ።

ህይወት ልዕሊ 100 ሽሕ መንእሰይ ዘጥፈአን ቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ንብረት ድማ ዘዕነወ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብስምምዕ ኣልጀርስ ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ነባሪ ሰላምን ዕርቅን ክመጽእ ብዘይምኽኣሉ፣ ክልቲኦም መንግስታት ተቓወምቲ ኣብ ምዕጣቕን ናይ ውክልና ኵናት ኣብ ምክያድን’ዮም ተጸሚዶም ዝርከቡ።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0