ቀጠር ሳላ እትኽተሎ ክፉት ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ከም ናይ ኤርትራን ጅቡትን ዝኣመሰለ ጉዳያት ክትሽምግል ምኽኣላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሊጹ

ቀጠር ሳላ እትኽተሎ ክፉት ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ከም ናይ ኤርትራን ጅቡትን ዝኣመሰለ ጉዳያት ክትሽምግል ምኽኣላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሊጹ

Radio Erena: 17 March 2015

qat Er Dj

ቀጠር ሳላ እትኽተሎ ክፉት ናይ ወጻኢ ፖሊሲ፣ ከም ናይ ኤርትራን ጅቡትን ዝኣመሰለ ጉዳያት ንምሽምጋል ከምዝኸኣለት ምክትል ሚኒስተር ጉዳዯት ወጻኢን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱራሕማን ቢን ጃስም ኣል ታኒ ሓቢሩ።

ንሱ ምስ ‘ቃጣሪ ኣል ዓረብ’ ምስ ዝተባህለት ጋዜጣ ሃገሩ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ቀጠር ብሳላ እቲ ዘለዋ ክፉት ናይ ወጻኢ ፖሊሲን ዘይሻራዊ ኣተሓሕዛን ብዘይካ ናይ ኤርትራን ጅቡትን ጉዳይ፣ ናይ ፍልስጤም- ፋታሕን ሓማስን፣ ሱዳን ዳርፍርን ዝኣመሰሉ ከበድቲ ጉዳያት’ውን ንምሽምጋል ከምዝበቕዐት ጠቒሱ።

 

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ቀጠር፣ ሃገሩ ኣብ ሽምግልና ተኣማንነት ከምዘለዋ’ውን ኣረዲኡ።

እንተኾነ፣ እዚ ቀጠር ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን ዝጀመረቶ ናይ ሽምግልና መስርሕ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመቱ ዝኾነ እወታዊ ውጽኢት ክርኣየሉ ከምዘይክኣለ’ዩ መንግስቲ ጅቡቲ ደጋጊሙ ዝገልጽ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ኣብዚ ቀረባ ምስ ብቋንቋ ፈረንሳ ምስ እትሕተም መጽሔት ዠን ኣፍሪክ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ብቀጠር ዝተወሰደ ናይ ዕርቂ መስርሕ ኣብ ሓሙሽተ ዓመቱ ዝኽዕነት ትርጉም ከምዘይሃበ’ዩ ኣረጋጊጹ።

በቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ’ውን ዝኾነ ዝምድና ኤርትራን ጅቡትን ናብ ንቡር ክምለስ ይክእል’ዩ ዝብል ተስፋ ከምዘይብሉ ኣሚቱ።

===============================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0