ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ካብ ፈተነ ቅትለት ኣምሊጡ

ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ካብ ፈተነ ቅትለት ኣምሊጡ

Radio Erena: 20 January 2015

yemP

ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ኻልድ ባሓሕ ትማሊ ካብ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ንስክላ ኣምሊጡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ምስ ፕረዚደንት ዓብደረቦው መንሱር ሓድን ‘ኣንሳር ኣላህ’ ምስ ዝተባህለ ሓደ ጉጅለ ተቓወምቲ ሑትን ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ ተሳቲፉ እናወጸን እንከሎ’ዩ መንነቶም ካብ ዘይተፈልጡ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ተኻይድሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኻልድ ባሓሕ ካብ ዝተኻየደሉ መጥቃዕቲ ከምዝደሓነ ዘረጋገጸት ሚኒስተር ዜና የመን ናድያ ኣል ሳካፍ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሑስ ቦታ ተዓቝቡ ምህላዉ ኣፍሊጣ።

 

ንሳ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ነቲ ቶኽሲ ዝኸፈቱ ዕጡቃት ካብ ኣባላት ሓለዋ ሑቲ ብምዃኖም፣ እቲ ተቓዋሚ ጉጅለ ንቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ክቐትሎ ምፍታኑ ንዝኣተዎ ስምምዕ ዝጥሕስ’ዩ ኢላ።

እንተኾነ ተቓወምቲ ሑቲ ንክሲ እታ ሚኒስተር ዜና ኣይተቀበሎን።

ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ቅድሚ’ዚ ትማሊ ኣብ ቤት መንግስቲ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ብሰንበት ምስ ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብታ ሃገር ብምርኻብ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ከምእተዘራረቡ ተጠቒሱ’ዩ

ንወደባዊት ከተማ ሖዴዳን ደሴታት ዝቑር ሓንሽን ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ተቓወምቲ ሑቲ ኣቐዲሞም’ውን ንሓለቓ ስታፍ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣሕመድ ቢን ሙባረክ ጅሆ ሒዞሞ ከምዘለው ኣረጋጊጾም’ዮም።

ተቓወምቲ ሑቲ፣ መደበር ቴሌቪዥን ንዝርከቦ ኣገዳሲ ትካለት መንግስትን ሰፊሕ ክፋል ከተማ ሰንዓን ተቖጻጺሮም ብምህላዎም፣ መንግስቲ የመን ዝህቦ ወግዓዊ መግለጺታት ካብ ዓደን ክፍኖ ምዃኑ’ውን ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ናድያ ኣል ሳካፍ ኣፍሊጣ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0