ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ካቢነ እታ ሃገር ፈንጢሑ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ካቢነ እታ ሃገር ፈንጢሑ

Radio Erena: 20 January 2015

Somali Pm

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ዑመር ዓብድራሺድ ዓሊ ሻርማረክ ንካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ፈንጢሑ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንካቢነ እታ ሃገር ክፍንጥሕ ዝተገደደሉ ምኽንያት፣ ኣቐዲሙ ዝረቑሖም 26 ሚኒስተራትን ምክትላቶም ዝርከብዎም 60 ሰበ ስልጣን ብፓርላማ እታ ሃገር ተቐባልነት ድሕሪ ምስኣኑ’ዩ።

እዚ ሓድሽ ዝተመዘዘ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝረቑሖም ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ብባይቶ እታ ሃገር ድሕሪ ምንጻጎም፣ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ንምቛም ተወሳኺ ክልተ ሰሙን ግዜ ሓቲቱ ኣሎ።

 

ዝመጽእ ዓመት ሓድሽ ቅዋም ንምጽዳቕን ምርጫ ንምክያድን ምድላዋት እትገብር ዘላ ሶማል፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ምስ ዕጡቓት ኣልሸባብ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት፣ ኣብ ውሽጢ’ቲ መንግስቲ’ውን ምሉእ ርግኣት ክትረክብ ኣይከኣለትን።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኣብ ነሓሰ 2012 ካብ ዝቐውም ብሰንኪ ዘለዎ ዘይርጉእ ኩነታት ኣብ ክልተ ዓመቱ ሰለስተ ቀዳማይ ሚኒስተራት ክቐያየር ተገዲዱ ኣሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0