ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ ሸውዓተ ኣባላት ‘ሽማግለ ዕርቂ’ ካብ መዝነቶም ኣልዩ

Radio Erena: 21 December 2021
ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል መሓመድ ሑሴን ሮብለ፣ ሸውዓተ ኣባላት ‘ሽማግለ ዕርቂ’ ካብ መዝነቶም ከምዝኣለየ ካብ ከተማ ሞቓድሾ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
ማዕከናት ዜና ሶማል ኣብ ዝህቦኦ ዘለዋ መግለጺታት፣ ኮሚሽን ምርጫ’ታ ሃገር ቁጽሪ ዘይብሉ ክስታት ኣብ ዝቐርበላ ዘሎ እዋን፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ስጉምቲ ምውሳዱ፣ ንፖለቲካዊ ሃዋሁ’ታ ሃገር ክሓላልኽ ከምዝኽእል ኣመልኪተን።
ኣብ ምርጫ ወከልቲ ታሕተዋይ ባይቶ ተዓሚጽና ዝብሉ ተቓወምቲ ውድባት፣ ጉዳያቶም ንምርኣይ ዝቖመት እታ ሽማግለ ዕርቂ፣ ኣባላታ በቲ ዓሚጹ ዝበሃል ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝቕየሩ እንተደኣ ኮይኖም፣ ዘይሻራዊ መርገጺ ንክህልዋ ዘሎ ዕድል ጸቢብ እዩ ዝብል ትንታነ ድሮ ብበበይኖም ወገናት ይቐርብ ኣሎ።
እንተኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ፣ ብዓርቢ 17 ታሕሳስ፣ ምስ ፕረዚደንታዊ ሕጹያት ተወዳደርቲ ድሕሪ ዝገበሮ ኣኼባ ነቲ ውሳኔ ከምዝወሰዶ ኣፍሊጡ። ንመስርሕ ምርጫ ከይዕንቅፍ ከኣ እቶም ዝተኣልዩ ኣባላት ብኡ ንብኡ ብካልኦት ተተኪኦም ከምዘለዉ ገሊጹ።
ዳይረክተር ስለያን ጸጥታን ሶማል ያሲን ፋረይ ኣብ ጋልምዱግ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ምዕዋቱ ሓደ ካብ’ቶም ኣሰሓሓብቲ ጉዳያት ኮይኖም ዘለዉ እዩ።
ሓፈሻዊ ምርጫ ሶማል፣ ብተደጋጋሚ ክሰጋገር ምጽንሑ፣ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0