‘ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ገዛይ’ዩ ተታሒዙ ዘሎ።’ ጀነራል ኣል ቡርሃን

Radio Erena: 26 October 2021

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኣብ መንበሪ ገዛ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ተታሒዙ ከምዘሎ እቲ ጀነራል ገሊጹ።

ንሲቪላዊ ወገን መሰጋገሪ መንግስቲ በቲኑ፣ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ንህሉው ኩነታት ሱዳን ኣመልኪቱ፡ ሎሚ 26 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንሓያሎ ኣባላት ናይቲ ንሲቪላዊ ወገን ዝወከሉ ኣባላት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ንሃገራዊ ድሕነት ሱዳን ሓደጋ’ዮም ብዝብል ከምዝኣሰሮም ኣረጋጊጹ።

ይኹን’ምበር ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ግና ንድሕነቱ ክብል ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ መቐበሊ ኣጋይሽ ሒዝዎ ከምዘሎ’ዩ ጀነራል ኣልቡርሃን ጠቒሱ።

ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ፣ ብጀነራል ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ስልጣኑ ነቲ ሲቪላዊ ወገን መሰጋገሪ መንግስቲ ከረክብ ሒደት ሳምንታት ምስ ተረፎ ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ ከም ወትሃደራዊ ዕልዋ’ ዩ ዝግለጾ ዘሎ።

እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ድማ ብኣንጻሩ፣ እቶም ንሲቪካውና ማሕበራት ወኪሎም ብልፍንቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ዘቆሙ ሲቪል ኣባላት፣ ኣብዚ ኣስታት ክልተ ዓመታት ዘፍረይዎ ነገረ ስለዘየለ፣ ምእንቲ ረብሓ ሱዳን ክኣልዮም ከምዝወሰነ የረድእ።

ወትሃርደራዊ ጉጅለ፣ ‘ዕልዋ ፈጺሙ’ ንመስርሕ ምስግጋር ሱዳን ናብ ሲቪላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓተ መንግስቲ ምትዕንቓፉ፣ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ምስታ ሃገር ጀሚረንኦ ዝነበረ ምትሕግጋዝ ደው ከብላ ከምዘገደደን ይገልጻ።

ህዝቢ ሱዳን፣ ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ፣ እቲ ወትሃደራዊ ወገን፣ ኣብ ልዕሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዕልዋ ብምክያዱ ክሕደት ከምዝፈጸመ ብምኽሳስ፣ ኣንጻሩ ህዝባዊ ናዕቢ ኣለዓዒሉ ይርከብ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0