ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ 2023 ካብ ደርቂ ክገላገል ከምዘይኮነ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ

Radio Erena: 20 January 2023

ኣብዚ ዝሓለፈ 40 ዓመታት፣ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝተነግረሉ ሓደጋ ደርቂ ኣንጸላልዎ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ዓመተ 2023’ውን ከምዘለዎ ክቕጽል ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ 10ታት ሚልዮናት ሰባትን ጥሪቶምን ንሓደጋ ደርቂ ተቓሊዖም ከምዘለዉ ዘመልከተ ሕቡራት ሃገራት፣ ብፍላይ ቆልዑን ኣዴታትን ህጹጽ ቆላሕታ ከምዘድልዮም ኣስሚርሉ።

ሕቡራት ሃገራት ንማዕከን ቆልዑ – ዩኒሴፍ ብወገኑ፣ ብዝሒ ‘ቶም ንሓደጋ ደርቂ ተቓሊዖም ዘለዉ ቆልዑ እቲ ዞባ፣ ካብ 10 ሚልዮን ናብ ልዕሊ 20 ሚልዮን ከምዝዓረገ ኣተሓሳሲቡ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ንልዕሊ ክልተ ሚልዮን ቆልዑ ጥራይ ክሕዝግ ከምዝኸኣለ ብምዝኽኻር፣ ኣብዚ ዓመት፣ መደባቱ ንምስፋሕ ናይ ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ዶላር ምወላ ከምዘድልዮ ኣገንዚቡ።

ዩኒሴፍ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ሓበሬታ፣ እቲ 750 ሚልዮን ዶላር፣ ንህጹጽ ረድኤት ቆልዑን ስድራቤታቶም ዝዓለመ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ኣስታት 690 ሚልዮን ዶላር ድማ፣ ንነዊሕ ዝጠመተ፣ ኣብ ቆልዑ ዘተኮረ ወፍሪ ንምክያድ ዝሕተት ዘሎ ምወላ’ዩ።

ኣብቲ ዞባ፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ኩነታት ኣየር ተተሓሒዙ ተኸሲቱ ዘሎ ባህርያዊ ሓደጋ ደርቂ፣ ኵናትን ግጭታትን’ውን፣ ን10ታት ሚልዮናት ሰባት ግዳያት ሰብኣዊ ቅልውላው ጌሩ ኣሎ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝያዳ ብደርቂ ተሃስየን ዘለዋ ሃገራት፣- ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን’የን።

ዩኒሴፍ፣ ኣብ ኤርትራ’ውን፣ ኣብ 2023፣ 745 ሽሕ ቆልዑ ንዝርከብዎም፣ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ንምሕጋዝ፣ 14.7 ሚልዮን ዶላር ምወላ ምሕታቱ፣ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0