ሽወደን ኣብ ኢጣልያ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከተጣይስ ጀሚራ

ሽወደን ኣብ ኢጣልያ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከተጣይስ ጀሚራ

Radio Erena : 09 October 2015

Italy 10

ሽወደን ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምጥያስ ክትጅምር’ያ።

እዚ ዓርቢ 9 ጥቅምቲ 2015 ዝጅምር ምጥያስ ኤርትራውያን ናብ ሽወደን፣ ኣካል ናይቲ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝተሰማማዓሉ፣ ኣብ ኢጣልያን ግሪኽን ንዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ምምቕራሕ መስርሕ’ዩ።

ኣብዘን ሃገራት፣ ብማእከላይ ባሕሪ ዝወሃዙ መብዛሕቶም ዜጋታት ሶርያን ኤርትራን ዝርከብዎም ኣስታት 160 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለው ይፍለጥ።

 

መንግስታት 28 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ነዞም ስደተኛታት ንምምቅራሕ ከካይድዎ ድሕሪ ዝጸንሑ ተደጋጋሚ ዘተ ድማ፣ ጀርመን፣ ፈረንሳን ሽወደንን ዝበዝሐ ናይቲ ቁጽሪ ክቕበላ ከምዝተመባጽዓ ይዝከር።

በዚ መሰረት ሽወደን ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀመራ 10ታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኢጣልያ ክትቕበል’ያ።

እቶም ኤርትራውያን ካብ ኢጣልያ ከተማ ሮማ ናብ ሽወደን ኣብ ዝፋነውሉ፣ ኮምሽነር ስደተኛታት ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዲሚትሪ ኣቭራሞፓውሎስን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ኣንጀሊኖ ኣልፋኖን ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኪያምፒኖ ክርከቡ’ዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ብዝልዓለ ናህሩ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ፣ ንሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባን ናይ ቁጠባ ስደተኛታትን ንምፍላዮም ኣብ ላምፔዱሳ ሓድሽ መዓስከር ክኽፈት’ዩ።

እቲ ብሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ኢጣልያን ዝእለ መዓስከር፣ ነቶም ከም ኤርትራውያን ንዝኣመሰሉ ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባን፣ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ስራሕ ንምንዳይ ንዝመጹ ዘለዉ ናይ ቁጠባ ስደተኛታትን ንምፍልላይ ክሕግዝ ተባሂሉ’ዩ ዝቐውም ዘሎ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0